አሞጽ 6
1 እቶም አብ ጽዮን ሀዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሚኖም ዚነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም።
2 ናብ ካልነ ሕለፉን ጠምቱን፣ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ሃማት ኪዱ፣ ናብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከአ ዉረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታን አዚኤን ይበልጻ እየን፣ ወይስ ዶበንዶ ኻብ ዶብኩም ይገፍሕ እዩ∶
3 ንስኻትኩም ነታ ሕስምቲ መዓልቲ እተርሕቑ፣ ነታ መንበር ዓመጻ ኸአ እተቕርቡ ኢኹም።
4 ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፣ ኣብ መንጽፎም፣ ድማ ዚጋደሙ፣ ካብ መጓሰ አባጊዕ ጥቦታውቲ፣ ካብ ደምበ አሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፣
5 ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ፣ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ፣
6 ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፣ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ፣ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ እዮም።
7 ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኺማረኹ እዮም፣ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ኪውዳእ እዩ።
8 እግዚአብሄር ኣምላኽ ብርእሱ፣ ይብል እግዝአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ አነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ፣ ኣዳራሻቱ ኸኣ ጸላእኩ፣ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም አብኣ ዚነብሩ ኵላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
9 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እኳ እንተ ተረፉ፣ ኪሞቱ እዮም።
10 ዘመዱ ምስቲ መንደዲ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ ቤት ኼውጽኦስ፣ እንተአልዐሎ ኣሞ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ዘሎ፣ ገናዶ ገለ ሰብ ምሳኻ ኣሎ፣ እንተ በሎ፣ ንሱ ኸአ፣ ሓደ እኳ የልቦን፣ ኢሉ ይመልሰሉ፣ እቲ ድማ ስም እግዚአብሄር ክንሰሚ ኣይግብኣናን እዩ ኣሞ፣ስቕ በል፣ ይብሎ።
11 እንሆ እግዚአብሄር ይእዝዝ ኣሎ ኣሞ፣ ኣታ ዓባይ ቤት ኽትፈርስ፣ እታ ንእሽቶ ቤት ከኣ ክትጭፍለቕስ ኪውቕዓ እየን።
12 ንፍርዲ ናብ መርዚ፣ ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ ዕረ ለዊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፣ አፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ይጎዩ እዮም፣ ወይስ ኣብዑርዶ ኣብአ ይሕረሱ እዮም∶
13 ንስኻትኩም ብኸንቱ ነገር እትሕጎሱ። ብሓድይልናዶ ኣይኰንናን አቕርንቲ ዝወሰድና∶ እትብሉ ዘለዀም፣
14 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለዚ እንሆ፣ ህዝቢ ኸተንስእልኩም እየ፣ ንሳቶም ከአ ካብቲ መእተዊ ሃማት ኽሳዕ እቲ ውሒዝ ኣርባህ ከጨንቑኹም እዮም፣ ይብል እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።