ሆሴእ 6
1 ንሱ ቐደደ፣ ኬጥዕየና ኸኣ እዩ፣ ንሱ ወቕዔ፣ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፣ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።
3 ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።
4 ዎ ኤፍሬም፣ እንታይ ክገብረካ እየ∶ ዎ ይሁዳ፣ እንታይ ክገብረካ እየ∶ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ።
5 ስለዚ ብነብያት ቈረጽክዎም፣ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፣ ፍርደይ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ።
6 ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።
7 ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፣ በዚውን ጠለሙኒ።
8 ጊልዓድ ብደም እተዐለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ።
9 ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዜድብዩሉ፣ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ካህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፣ እወ፣ ሕሰም ይገብሩ።
10 ኣብ ቤት እስራኤል ዜስክሕ ነገር ርኤኹ፣ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፣ እስራኤል ከኣ ረኸሰ።
11 ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፣ ኣታ ይሁዳ፣ ንኣካ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።