ሚክያስ 5
1 ኣቲ ጓል ጭፍራ፣ ጭፍራኺ ኣክቢ፣ ብኽቢ ይኸቡና፣ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።
2 ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።
3 ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።
4 ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐወምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም።
5 ንሱ ሰላም ኪኽውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ኣዳራሽና ኸኣ ምስ ረገጸ፣ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኸነተንስኣሉ ኢና።
6 ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፣ ንሃገር ኒምሮድ ከኣ ኣብ ደጌታታ ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፣ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ።
7 እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፣ ብደቂ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይገብር፣ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፣ ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።
8 እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር፣ ከም ሽደን ኣብ ማእከል መጓሰ ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፣ ይረጋግጽን ይሰላልዕን ዜናግፍ ድማ የልቦን።
9 ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፣ ኵሎም ጻላእትኻውን ይጽነቱ።
10 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ነፍራስካ ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦም፣ ንሰረገላታትካ ኸኣ ክሰባብሮ እየ።
11 ንኸተማታት ሃገርካ ኸጥፍኤን፣ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ።
12 ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉኻን እዮም።
13 ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድርሕዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ኣይክትሰግደሉን ኢኻ።
14 ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኽምንቍሰን፣ ንኸተማታትካ ኸኣ ከፍርሰን እየ።
15 ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።