ዘፍጥረት 1

1 ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።

2 ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።

3 ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ።

4 ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ።

5 ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ።

6 ኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን፡ በለ።

7 ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፡ ከምኡውን ኰነ።

8 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ።

9 ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

10 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።

11 ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

12 እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።

13 ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ።

14 ኣምላኽ ድማ፤ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፡ ንዘበናትን ንመዓልትታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ።

15 ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

16 ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ።

17-18 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።

19 ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ።

20 ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ።

21 ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።

22 ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም።

23 ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ።

24 ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ።

25 ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።

26 ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

27 ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

28 ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ስማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም

29

30 ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

31 ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።