1ይ ቆሮንቶስ 1

1 ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡

2 ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዚጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡

3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።

4-6 ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ።

7 ምግሃድ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡

8 ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።

9 እቲ ናብ ሕብረት ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።

10-12 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ።

13 ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧

14-15 ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዮስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ።

16 ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ።

17 እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ከጥምቕሲ ኣይለኣኸንን።

18-19 ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

20 ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧

21 ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ።

22 ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡

23 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።

24 ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።

25 ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።

26 ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እሞ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን።

27 ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ።

28-29 ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።

30-31 ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም።