ቆሎሴ 1

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡

2 ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።

3-4 እታ ብክርስቶስ ኢየሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን አሎና።

5 ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡

6 ናባኻትኩም ዝመጸ ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዓበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡

7 ከምቲ ኻብ ኤጳፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሃርኩምዎ፡

8 ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ።

9 ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።

10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።

11 ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡

12 ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡

13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና።

14 ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡

15 ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ።

16 ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።

17 ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።

18 ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርያ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።

19 ብዘሎ ምልኣት አብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ፡

20 ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ።

21 ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡

22-23 ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።

24 ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ አሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ።

25 ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ።

26 ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡

27 ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።

28 ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር አሎና።

29 ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር አሎኹ።