ይሁዳ 1

1 ይሁዳ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽውዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንኢየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡

2 ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም።

3 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ።

4 ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።

5 ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ አሎኹ።

6 ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።

7 ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።

8 ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ አለዉ።

9 ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን።

10 እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ።

11 ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም።

12 እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡

13 ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቝሩሎም አሎ።

14-15 ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም።

16 እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ።

17-18 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ።

19 እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም።

20 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡

21 ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።

22 ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም።

23 ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።

24 ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከአሎ፡

25 ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላክ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።