ኤፌሶን 1

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኢየሱስ እሙናትን፥

2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።

4 ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡

5-6 በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።

7 ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

8-10 ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።

11-12 ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።

13 ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም።

14 ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ።

15 ስለዚ ኸኣ ኣነ እታ ብጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ንዅሎም ቅዱሳን ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕኩ፡

16 ብጸሎተይ እናዘከርኩኹም ከየብኰርኩ ስሌኹም ኤመስግን ኣሎኹ።

17 ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡

18 እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ ኣሎኹ።

19-21 ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ።

22 ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ።

23 ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዅሉ ኣብ ኵሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።