ሚልክያስ 1

1 ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ሚልክያስ።

2 ኣነ ኣፍቀርኩኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፣ ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካና∶ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፣ ኤሳውሲ ሓው ያእቆብዶ ኣይኰነን∶ ምስናይ እዚውን ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ።

3 ንኤሳው ግና ጸላእክዎ፣ ነኽራኑ ኣባደምክዎ፣ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረበዳ ሀብክዎ።

4 ኤዶም ድማ፣ ፈረሰና፣ ግናኽ ነቲ ዝፈረሰ ተመሊስና ኽንሰርሖ ኢና፣ እንተ በለ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይብል፣ ንሳቶምሲ ኺሰርሑ እዮም፣ ኣነ ግና ከፍርስ እየ፣ ዶብ ረሲእነትን እግዚኣብሄር ንሓዋሩ እተቘጥዖ ህዝብን፣ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም።

5 ኣዒንትኹም ድማ ኪርእያ እየን እሞ፣ እግዚኣብሄር ክንየው ዶብ እስራኤል ይዕበ፣ ክትብሉ ኢኹም።

6 ንስኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፣ ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ∶ እትብሉ ኻህናት፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ውሉድ ንወላዲኡ፣ ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምብኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ፣ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ∶ ጐይታ እንተ ዀይነስ፣ ምፍርሄይ ኣበይ ኣሎ∶

7 ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጌራ ኣቕሪብኩምሲ፣ ብምንታይ ኣርከስናካ∶ ትብሉ። መኣዲ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ ብምባልኩም እዩ።

8 ንመስወእቲ ከኣ ዕዉር እንተ ኣቕረብኩም፣ ክፉእዶ ኣይኰነን∶ ሓንካስ ወይስ ሕሙም እንተ ኣቕረብኩምሲ፣ ክፉእዶ ኣይኰነን∶ እስኪ እዚ ንምስለኔኻ ኣቕርበሉ፣ ይሕጐሰልካዶ እዩ∶ ወይስ ኣብኡዶ መጐስ ትረክብ ኢኻ∶ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

9 እምብኣርሲ ሕጂ ኺምሕረና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ለምኑ። እዚ ኻብ ኢድኩም እዩ፣ እሞኸ ገለ ኻባኻትኩምዶ ሞገስ ኪረክብ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

10 ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስ፣ ደጌታታ ዚዐጹ ዀታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዚህሉ። ኣነ ኣይሕጐሰልኩምን፣ ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

11 ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፣ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ፣ ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

12 ንስኻትኩም ግና፣ መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱ፣ ረብሓኡ፣ እቲ ምግቡ ሕሱር እዩ፣ ብምባልኩም ተርክስዎ ኣሎኹም።

13 ንስኻትኩምውን፣ ኣየ ኽንደይ ድኻም፣ ትብሉ፣ ኡፍ ድማ ትብሉሉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እተዘምተን ሕንካስን ሕሙምን ተምጽኡ፣ ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ∶ ይብል እግዚኣብሄር።

14 ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየ፣ ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ መጓሲኡ ተባዕታይ ዘለዎ፣ ተመባጺዑ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዚስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።