ሚልክያስ 3

1 እንሆ፣ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣሎኹ፣ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

2 ግናኸ ንሱ ከም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፣ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ∶ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ፣ መን ይቐውም∶

3 ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፣ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ፣ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውእሉ እዮም።

4 ሽዑ መስዋእቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፣ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝዀነ፣ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ።

5 ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

6 ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብ ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።

7 ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐለኹምዎን ከኣ። ናባይ ተመለሱ፣ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፣ ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ∶ በልኩም።

8 ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ∶ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ∶ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።

9 ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም።

10 ኣብ ቤተይ ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

11 ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፣ ንሱ ኸኣ ንፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍኦን እዩ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይኪቘልዕን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

12 ምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

13 ቃላትኩም በርትዓኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና∶ ትብሉ ኣሎኹም።

14 ንስኻትኩምውን፣ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፣ ስርዓቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ከሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና∶ በልኩም።

15 እምብኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና፣ እወ፣ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፣ እወ፣ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸኣ።

16 ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።

17 በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፣ ክንሕፎም እየ።

18 ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፣ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።