ዘዳግም 1

1 እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ሱፍ ኣብ ዘሎ በረኻ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲ-ዛሃብን ዘሎ ጐልጐል፡ ንዂሎም እስራኤል ዝነገሮም ቃላት እዚ እዩ።

2 ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳዕ ቃዴስ-ባርኔዓ፡ መገዲ ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ እዩ።

3 ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኪነግሮም ዝአዘዞ ዂሉ ተዛረበ።

4 እዚ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ዓስታሮት ኣብ ኤድረዒ ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዐሮም ኰነ።

5 ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዚ ሕጊ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኺገልጾ ጀመረ፡

6 እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፡ ኣብዚ ኸረንዚ እተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፡

7 ተመሊስኩም ተጕዐዙ፡ ናብ ከረን ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዂሉን ናብ ጐልጐልን ናብ ኣኽራንን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን፡ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ እተዉ።

8 እንሆ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣሎኹ። እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፡ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ፡ ንኣታቶም ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ውረስዋ ኸኣ።

9 በቲ ዘበንቲ ድማ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፡ ኣነ በይነይ ክጾረኩም ኣይክእልን።

10 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም እዩ እሞ፡ ሎሚ ምብዛሕኩም፡ እንሆ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኢኹም።

11 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከኣ፡

12 እቲ ድኻምኩምን ክብደትኩምን ቈየቛኹምን ከመይ ገይረ በይነይ እጾሮ።

13 ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ።

14 ንስኻትኩም ድማ፡ እቲ እተዛረብካዮ ነገር ምግባሩ ጽቡቕ እዩ፡ ኢልኩም መለስኩምለይ።

15 ሽዑ ሓላቑ ነገዳትኩም፡ ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክዎም።

16 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ሓዉን፡ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓና ድማ ብቕንዕና ፍረዱ።

17 ነቲ ንእሽቶውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፡ ብፍርዲ ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ገጽ ሰብ ኣይትፍርሁ። እቲ ዝበርትዓኩም ነገር ኣነ ኽሰምዖ፡ ናባይ ኣምጽእዎ።

18 በታ ጊዜ እቲኣ፡ እትገብርዎ ዂሉ ኣዘዝኩኹም።

19 ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና፡ በቲ ዝርኤኹምዎ ዓብዪን ዜፍርህን በረኻ፡ መገዲ ኸረን ኣሞራውያን ከድና፡ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኸኣ መጻእና።

20 በልኩኹም ድማ፡ ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ኸረን ኣሞራውያን መጻእኩም።

21 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሀበካ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደይብካ ውረሳ። ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር።

22 ንስኻትኩም ከኣ፡ ኲልኹም ናባይ መጺእኩም፡ በየናይ መገዲ ኸም እንድይብ፡ ኣብ ኣየኖት ከተማታትውን ከም እንኣቱ፡ ተመሊሶም ኪነግሩና ነታ ሃገር ዚስልዩልና ቅድሜና ሰባት ንስደድ፡ በልኩምኒ።

23 እቲ ነገር እቲ ባህ ኣበለኒ እሞ፡ ካባኻትኩም ዓሰርተው ክልተ ሰብ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ወሰድኩ።

24 ከይዶም ድማ ናብ ከረን ደየቡ፡ ናብ ለሰ ኤሽኰል ኣትዮምውን ሰለይዋ።

25 ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ በእዳዎም ወሰዱ፡ ናባና ኸኣ ኣውረድዎ። እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ፡ ኢሎም ድማ ምላሽ ነገሩና።

26 ንስኻትኩም ግና ክትድይቡ ኣይፈቶኹምን እሞ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣቤኹምዎ።

27 ኣብ ድንኳናትኩም ኴንኩም ኣጒረምረኩም፡ በልኩም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝጸልኣና፡ ምእንቲ ኼጥፍኣና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኺህበና፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኣና።

28 ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ፡ እቲ ህዝቢ ኻባና ዚበዝሕን ዚነውሕን እዩ። እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ኽሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ እየን፡ ደቂ ዓናቅውን ኣብኡ ርኢና፡ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣምከኽዎ።

29 ሽዑ በልኩኹም፡ ኣይትረበጹን ኣይትፍርህዎምን፡

30 እቲ ቀቅድሜኹም ዚኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ኺገብረልኩም ዝርኤኹምዎ ዂሉ፡ ከምኡ ንሱ ኣብ ክንዳኻትኩም ኪዋግኣልኩም እዩ።

31 ሰብ ንወዱ ኸም ዚሕንግሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ኲሉ ዝኸድኩምዎ መገዲ ኸም ዝሐንገረካ ርኢኻ።

32-33 እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኺደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድማ ኬርእየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸኣ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይአመንኩምን።

34-36 እግዚኣብሄር ከኣ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓደ ኻብዞም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሐለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ፡ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እዩ።

37 እግዚኣብሄር፡ ንኣይ ድማ ብሰርኹም፡ ንስኻውን ኣይትኣትዋን ኢኻ፡ ኢሉ ዀረየለይ።

38 እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል፡ ንሱ ኺኣትዋ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ኬረስትዮም እዩ እሞ፡ ኣትብዓዮ።

39 እቶም ኪማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቈልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፡ ንሳቶም ኪኣትውዋ እዮም፡ ንኣታቶም ክህቦም እየ፡ ኪወርስዋ ኸኣ እዮም።

40 ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ በረኻ ኣቢልኩም ተጕዐዙ፡ በለ።

41 ሽዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣበስና፡ ንድይብ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና ዂሉ ድማ ንዋጋእ፡ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩምውን መሳርያኡ ተዐጥቀ፡ ናብ ከረን ክትድይቡ ኸኣ ተዳሎኹም።

42 እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ ናብኡ ኣይትደይቡ ኣይትዋግኡውን፡ በሎም፡ በለኒ።

43 ኣነ ድማ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፡ ብድፍረትኩም፡ ናብቲ ኸረን ደየብኩም እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን፡

44 እቶም ኣብቲ ኸረን ዚነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወጺኦም ተቐባበሉኹም፡ ከምቲ ንህቢ ዚገብሮ ገይሮም ከኣ ሰጐጉኹም፡ ኣብ ሰዒር ድማ ክሳዕ ሖርማ ወቕዑኹም።

45 ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኼኹም፡ እግዚኣብሄር ግና ድምጽኹም ኣይሰምዔን፡ እዝኑ ኸኣ ጽን ኣይበለኩምን።

46 ከምተን እተቐመጥኩምለን መዓልትታት፡ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።