2ይ ዮሐንስ 1

1 ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፡ ኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዅላቶም ድማ ዜፍቅርዎም፡

2 ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና።

3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ።

4 ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ አሎኹ።

5 ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሐፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ አሎኹ።

6 ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ።

7 ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት ምስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።

8 ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ።

9 እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ።

10 ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ።

11 እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

12 ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሐጐሰይ ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር አሎኹ።

13 ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብቲኺ ሰላም ይብሉኺ አለዉ።