ዮኤል 1

1 ንዮኤል ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣

2 ኣቱም ኣረገውቲ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን፣ ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ∶

3 እዚ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎም፣ ደቅኹም ከኣ ንደቆም፣ ደቆምውን ነቲ ዳሕራይ ወለዶ የዘንትዉሎም።

4 ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፣ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸኣ ጐደበ በልዖ፣ ካብ ጐደበ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።

5 ኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፣ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፣ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ።

6 ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበ፣ ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፣ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ ኣለዎ።

7 ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፣ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፣ ብጥራስ ቀንጠጦ፣ ደርበዮ፣ ጨናፍሩውን ጻዕደወ።

8 ከምታ ከሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ።

9 መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፍኤ፣ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ ኣለዉ።

10 እኽሊ በሪሱ፣ ኰልዒ ወይኒ ነቒጹ፣ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፣ እታ ሃገር ባዲማ፣ ምድሪውን ትሐዝን ኣላ።

11 እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፣ ኣቱም ሓረስቶት፣ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፣ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፣ ዋይዋይ በሉ።

12 ተኽሊ ወይኒ ነቕጸ፣ ኦም በለስ ከኣ ቀምሰለ፣ ኦም ሮማንን ስየን ቱፋሕን ኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቕጸ፣ እወ፣ ሓጐስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ።

13 መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናት፣ ተዐጠቑን ብኸዩን፣ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፣ ዋይዋይ በሉ፣ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑ፣ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ።

14 ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።

15 መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፣ ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ፣ ኣየ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ።

16 ምግቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፣ ሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን∶

17 እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵሉ መሽመሸ ፣ እኽሊ ሀጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፣ መዓኽንውን ፈረሰ።

18 ኣየ፣ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፣ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ።

19 ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ ኤእዊ ኣሎኹ።

20 ወሓዚ ማያት ነጺፉ፣ ነቲ መጓሰዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፣ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።