መኃልየ መኃልየ 1

1 መሃልየ መሃልይ ናይ ሰሎሞን።

2 ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፡ ብምስዓም ኣፉ ይስዐመኒ።

3 ቅብእኻ ምኡዝ ሽቱ ኣለዎ፡ ስምካ ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ፡ ስለዚ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።

4 ደድሕሬኻ ኽንጐይስ፡ ስሐበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኙ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ።

5 ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፡ ግናኸ ከም ድንኳውንቲ ቄዳር፡ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን ጽብቕቲ እየ።

6 ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ ጸላም ስለ ዝዀንኩ ኣይትጠምታኒ። ደቂ እኖይ ኰረዩለይ፡ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ፡ ኣታኽልቲ ወይንስ ናተይ እኳ ኣይሐሎኹን።

7 ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፡ ንመጓሴኻ ኣበይ ተውዕለን? ቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን ኣሎኻ? እስኪ ንገረኒ፡ ስለምንታይከ ኣብ መጓሰ መሓዙትካ ከም ኰብላሊት ዝኸውን?

8 ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እንተ ዘይፈለጥክስ፡ ኣሰኣሰር መጓሰ ውፈሪ እሞ፡ መሓስእኪ ኣብ ጥቓ ድንኳውንቲ ጓሶት ኣብልዒ።

9 ኣቲ ፍትውተይ፡ በታ ሰረገላ ፈርኦን እትስሕብ ባዝራ መሰልኩኺ፡

10 መልክዕ ጒንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ።

11 ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።

12 ንጉስ ኣብ መኣዲ ኸሎ፡ ናርዶሰይ መኣዛኡ ሰደደ።

13 ፈታውየይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ዚዐርፍ፡ ንኣይ ቊጻር ከርበ እዩ።

14 ፈታውየይ ንኣይሲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን - ጌዲ ዚበቚላ ዘለላ ሪሓን እዩ።

15 እኔኹ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኹ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ርግብታት እየን።

16 እኔኻ፡ ኣታ ፈታውየይ፡ ጽቡቕ ኢኻ፡ ተፈታዊ ድማ ኢኻ፡ ዓራትናውን ልምሉም እዩ።

17 ኣግማል ቤትና ኦም ሊባኖስ፡ ግድጊዳና ኸኣ ጽሕዲ እዩ።