ዮናስ 1

1-2 ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፣ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማ፣ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፣ ኣንጻሮም ኣውጅ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።

3 ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፣ ናብ ያፋ ኸኣ ወረደ፣ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፣ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።

4 እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ።

5 እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ፣ ነፍሱ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ፣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ደቂሱ ነበረ።

6 እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፣ ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር ኣሎኻ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል፣ በሎ።

7 ንሓድሕዶም ድማ፣ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፣ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፣ ተባሃሀሉ። ዕጭ ኣውደቑ፣ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት።

8 ሽዑ ንሳቶም፣ ንገረና ዀታ፣ እዚ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ∶ ዕዮኻ እንታይ እዩ∶ ካበይከ መጻእካ∶ ኣየናይ እዩ ሃገርካ∶ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ∶ በልዎ።

9 ንሱ ኸኣ፣ ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን እፈርሆ እየ፣ በሎም።

10 ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፣ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፣ ፈለጡ፣ ዓብዪ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፣ ስለምንታይ ደኣ እዚ ገበርካ∶ ከኣ በልዎ።

11 እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፣ ንሳቶም፣ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካ∶ በልዎ።

12 ንሱ ድማ፣ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም፣ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፣ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ፣ በሎም።

13 እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኺምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ፣ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኰነሎምን።

14 ሽዑ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንልምነካ ኣሎና፣ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፣ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር፣ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።

15 ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ ከኣ ካብ ምንዋጽ ሀድኤ።

16 እቶም ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ፣ መብጽዓውን ተማባጽዑ።