ማርቆስ 1

1 መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ።

2 ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ፡

3 ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡

4 ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ።

5 ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ ኢየሩሳሌምን ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

6 ክዳን ዮሃንስ ከኣ ጸጕሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቝኡውን ፈልቍ ነበረ፡ ኣንበጣ መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ።

7-8 ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ድደሕረይ ይመጽእ እሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ።

9 በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።

10 ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአየ።

11 ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።

12 መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።

13 ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ።

14-15 ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።

16 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም።

17 ኢየሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒ፡ በሎም።

18 ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዓብዎ።

19 ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም።

20 ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዓብዎ።

21 ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ።

22 ከምቶም ጻሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ።

23 ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡

24 ንሱ ኸኣ፡ ኢየሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ።

25 ኢየሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ።

26 እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ።

27 ኵሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፧ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ።

28 ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ።

29 ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።

30 ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ።

31 ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም።

32 ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደሮም ኵሎም ናብኡ ኣምጽኡ።

33 ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት።

34 ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

35 ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ።

36 ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ።

37 ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኵሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ።

38 ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም።

39 ኣብ ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናእውጽኤ ኣብ ኵላ ሃገር ዞረ።

40 ሓደ ለምጸም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ።

41 ኢየሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ።

42 እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄ ኸኣ።

43-44 ኢየሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ።

45 ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። ኢየሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን።