ዘካርያስ 1

1 ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፣ በታ ሳምነይቲ ወርሒ ናብ ነብዪ ዘካርያስ ወዲ በረክያ፣ ወዲ ዒዶ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፣

2 እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም ኣዝዩ ዀረየ።

3 እምብኣርሲ ንስኻ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣነ ኸኣ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኢልካ ንገሮም።

4 ከም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ፣ንኣታቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እኩይ ግብርኹምን ተመለሱ፣ ይብል ኣሎ ኢሎም ነገርዎም፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፣ ናባይ ከኣ ጽን ኣይበሉን፣ ይብል እግዚኣብሄር።

5 ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ∶ ነብያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም∶

6 ግናኸ ንባሮተይ ነብያት ዝአዘዝክዎም ቃላተይን ሕጋጋታይን ነቦታትኩምዶ ኣየርክቦምን እዩ∶ ንሳቶም ከኣ ተመልሱ እሞ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምቲ ብመጠን መገድናን ግብርናን ኪገብረና ኢሉ ዝሐሰቦ፣ ከምኡ ገበረና፣ በሉ።

7 ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፣ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ በታ ሸባጥ እትበሀል መበል ዓሰርትወ ሓደ ወርሒ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ዘካርያስ፣ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ፣ መጸ፣

8 ብለይቲ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሔ ሰብኣይ፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ትሕት ዝበለ ቦታ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ጠጠው በለ፣ ድሕሪኡውን ሓመራትን ጥርኝን ኣምባላያትን ኣፍራስ ነበሩ።

9 ሽዑ ኣነ፣ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም∶ በልኩ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑ ኸርእየካ እየ፣ በለኒ።

10 እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ፣ እዚኣቶምሲ እቶም እግዚኣብሄር ንምድሪ ኺዘርዋ ዝሰደዶም እዮም፣ ኢሉ መለሰ።

11 ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ዝበለ መልኣኽ እግዚኣብሄር፣ ንሕና ንምድሪ ዞርናያ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኵላ ምድሪ ስቕ ኢላ ዐሪፋ ኣላ፣ ኢሎም መለሱሉ።

12 ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፣ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ነዘን በተን ሰብዓ ዓመት እተቘጣዕካየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን∶ ኢሉ መለሰ።

13 እግዚኣብሄር ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕ ቃላትን ብዜጸናንዕ ቃላትን መለሰሉ።

14-15 -እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፣ ኣነ ብኢየሩሳሌምን ብጽዮንን ዓብዪ ቕንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ፣ ቅሩብውን ኰርየ ነበርኩ፣ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ፣ ነቶም ሀዲኦም ዘለዉ ኣህዛብ ኣዝየ ዀርየሎም ኣሎኹ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ኣውጅ፣ በለኒ።

16 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም እምለስ ኣሎኹ፣ ይብል ኣሎ፣ ቤተይ ኣብኣ ኽትስራሕ እያ፣ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ኺዝርጋሕ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

17 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ከተማታተይ ገና ብሰናይ ኪረውያ እየን፣ እግዚኣብሄር ከኣ ንጽዮን ገና ኼጸናንዓ እዩ፣ ንኢየሩሳሌም ድማ ገና ኺሐርያ እዩ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ኣውጅ።

18 ዓይነይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣርባዕተ ቐርኒ ርኤኹ።

19 ኣነ ድማ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፣ እዚኣቶም እንታይ እዮም∶ በልክዎ። ንሱውን እዚኣቶም እቶም ንይሁዳን እስራኤልን ኢየሩሳሌምን ፋሕ ዘበልዎም ኣቕርንቲ እዮም፣ ኢሉ መለሰለይ።

20 እግዚኣብሄር ከኣ ኣርባዕተ ሰራሕቲ ሓጺን ኣርኣየኒ።

21 ሽዑ ኣነ፣ እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ መጹ∶ በልኩ። ንሱ ኸኣ፣ ንይሁዳ ፋሕ ዘበሉ ኣቕርንቲ እዮም፣ እዚኣቶም ግና ኬፍርህዎም፣ ነቕርንቲ እቶም ንሃገር ይሁዳ ፋሕ ኬብሉ ኢሎም ቀርኖም ዘልዐሉ ኣህዛብ ከኣ ኬወድቁ ዝመጹ እዮም፣ ኢሉ በለኒ።