ዘካርያስ 8

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸ፣

2 ኣነ ብጽዮን ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ ኣሎኹ፣ ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ ኣሎኹ፣ ይብል እዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

3 ኣነ ናብ ጽዮን፣ ክምለስ ኣብ ማእከል ኢየሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፣ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ቅዱስ ከረን ክስመ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

4-5 ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

6 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በተን መዓልትታት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ እንተ ዀነስ፣ ነዒንተይዶ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ∶ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

7-8 እንሆ፣ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም እየ እሞ፣ ኣብ ማእከል ኢየሩሳሌም ኪነብሩ እዮም፣ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ ኸኣ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

9 ኣቱም በዘን መዓልታት እዚኣተን፣ እቶም ቤት መቕደስ ምእንቲ ኽትህነጽሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዚነበሩ ነብያት እተዛረብዎ፣ ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

10 ቅድሚ እዘን መዓልታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረን። ንዅሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ፣ ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዚወጽእን ዚኣቱን ሰላም ኣይነበረን።

11-12 ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፣ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፣ ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብ፣ ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ፣ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ዅሉ ኸረስትዮም እየ፣ ሕጅስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክዀኖምን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

13 ኪኸውን ድማ እዩ፣ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፣ ከምዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝዀንኩም፣ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፣ በረኽትውን ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ።

14-15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ክገብረኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዐስኩሉ፣ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንኢየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ ኣሎኹ፣ ኣይትፍርሁ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

16 እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፣ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።

17 ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ፣ ማሕላ ሓሶት ኣይትፍትዉ፣ ነዚ ዅሉ እጸልኦ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

18 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፣

19 እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ሓምሳይን እቲ ጾም ናይ ሳብዓይን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጐስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪዀነሎም እዩ፣ እምብኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

20 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዚነብሩን ገና ኪመጹ እዮም።

21 ኣብታ ሓንቲ ዚነብሩ ናብታ ኻልእ ኪኸዱ እዮም እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለልሲ፣ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ክንደሊ ንኺድ፣ ኣነውን ክኸይድ እየ፣ ኪብሉ እዮም።

22 ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ኪደልይዎ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኪምህለሉስ ኪመጹ እዮም።

23 በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፣ እግዚኣብሄር ምስኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፣ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፣ ኪብሉ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።