ዘካርያስ 2

1 ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ።

2 ኣነ ኸኣ፣ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘሎኻ∶ በልኩ። ንሱውን፣ ንኢየሩሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝዀነ ኽርእስ፣ ክልክዓ እየ፣ በለኒ።

3 እንሆ ኸኣ፣ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፣ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ።

4-5 -ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚ፣ ኢየሩሳሌም፣ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣ እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፣ በሎ።

6 እግዚኣብሄር፣ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት በቲነኩም እየ፣ ይብል ኣሎ እሞ፣ ተንስኡ፣ ተንስኡ፣ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

7 ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ጽዮን፣ ኣምልጢ።

8 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፣ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ እሞ፣ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ለኣኸኒ።

9 እንሆ፣ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪዀንዎም እዮም፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።

10 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ እንሆ፣ እመጽእ ኣሎኹ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክነብር እየ እሞ፣ እልል በሊ ተሐጐሲውን፣ ይብል እግዚኣብሄር።

11 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፣ ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፣ ንስኺውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።

12 እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስተያ፣ ንኢየሩሳሌም ከኣ ገና ኺሐርያ እዩ።

13 እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል።