ዘካርያስ 3

1 እያሱ ሊቀ ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፣ ሰይጣን ከኣ ኪጻረሮ ኣብ የማኑ ቘይሙ ነበረ።

2 እግዚኣብሄር ንሰይጣን፣ ኣታ ሰይጣን እግዚኣብሄር ይግናሕካ፣ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝሐረያ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፣ እዝስ ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድዶ ኣይኰነን∶ በሎ።

3 እያሱ ኸኣ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።

4 እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ዝነበሩ፣ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ፣ ኢሉ መለሰሎም። ንእኡ ኸኣ፣ ርኤ፣ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፣ ብሉጽ ክዳውንቲውን ከደንኩኻ፣ በሎ።

5 ኣነ ኸኣ፣ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጥሙሉ፣ በልኩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጠሙሉ፣ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ።

6 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መስከረሉ፣

7 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብመገደይ እንተ ተመላለስካ፣ ነቲ ዝአዘዝኩኻውን እንተ ሐሎኻስ፣ ንቤተይ ክትፈርዳ፣ ንኣጸደይ ከኣ ክትሕልዎ ኢኻ፣ ምስ እዞም ኣብዚ ቘይሞም ዘለዉ ቦታ ኽህበካ እየ።

8 እምብኣርሲ ኣታ ኣያሱ ሊቀ ኻህናት፣ ንስኻን እቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለዉ ብጾትካን፣ ንሳቶም ንትእምርቲ ዚዀኑ ሰባት ኣዮም እሞ፣ ስማዕ፣ ኣንሆ፣ ኣነ ነቲ ባርያይ፣ እቲ ጨንፈር፣ ከምጽኦ ኣየ።

9 ስለዚ ኣታ ኣብ ቅድሚ እያሱ ዘንበርክዋ እምኒ እንሃ፣ ኣብ ሓንቲ እምንስ ሾብዓተ ዓይኒ ኣለዋ፣ እንሆ ኸኣ፣ ቅርጻ ክቐርጾ እየ፣ ንኣበሳ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቖ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

10 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ወይንን ኦም በለስን ንሓድሕዶም ክትተዐዳደሙ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።