ግብሪ ሃዋርያት 1

1 ዎ ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ ኢየሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ዂሉ እቲ ቐዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ ኣሎኹ፡

2 ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡

3 ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ።

4-5 ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም።

6 ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

7 ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።

8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

9 እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ።

10 ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡

11 ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።

12 ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀል፡ ንኢየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።

13 ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ።

14 እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ።

15 በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዚኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ።

16 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ።

17 ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ።

18 እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡

19-20 ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ።

21-22 ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።

23 ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርናባስ ዚብሃል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡

24-25 ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ።

26 ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ።