1ይ ጴጥሮስ 1

1 ጴጥሮስ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡

2 ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም ኢየሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።

3-4 እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡

5 ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም።

6-7 እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።

8-9 ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ንፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።

10 እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡

11 እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡

12 ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም።

13 ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።

14 ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡

15-16 ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።

17 ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።

18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።

20 ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ።

21 ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም አሎኹም።

22-23 ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡

24 ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡

25 ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።