2ይ ተሰሎንቄ 1

1 ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን።

2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።

3 ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዓዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነምስግኖ ግቡእና እዩ።

4 እምብኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዅሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና፡

5 ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ።

6-7 በቲ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡

8 ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።

9-10 እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ ኢየሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝኣመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም።

11-12 ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን አሎና።