ሚክያስ 1

1 እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፣ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣

2 ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፣ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪ፣ ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ።

3 እንሆ፣ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ፣ ይወርድ፣ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፣

4 ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፣ ኣኽራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፣ ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ።

5 እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ∶ ሰማርያዶ ኣይኰነትን∶ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ∶ ኢየሩሳሌምዶ ኣይኰነትን∶

6 ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎ፣ ንመሰረታ ኸኣ ክቐልዖ እየ።

7 እቲ ቕሩጽ ምስልታት ኵሉ ኺሰባብሮ፣ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፣ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም እሞ፣ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።

8-9 ቍስላ ዘይሐዊ እዩ፣ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፣ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፣ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፣ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፣ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኽይድ፣ ከም ወኻርያ እበኪ፣ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን ኤድሂ ኣሎኹ።

10 ኣብ ጋት ኣይተውርይዎ፣ ብኽያት ኣይትብከዩ፣ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠቀላዕላዕ በልኩ።

11 ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትንበሪ፣ ሕለፊ፣ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብሪ ኣይትወጽእን፣ ብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።

12 መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፣ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሐዝን ኣላ።

13 ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፣ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፣ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ።

14 ስለዚ ንሞሬሽት-ጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሀቦ፣ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ኪኸውን እዩ።

15 ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፣ እቲ ዚወርሰኪ ኸምጽኣልኪ እየ፣ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ኪመጽእ እዩ።

16 ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፣ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፣ ርእስኪ ላጽዪ፣ ነቲ ነዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ።