ሶፎንያስ 1

1 እቲ ብዘመን ዮስያስ፣ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፣ ናብ ጸፎንያስ ወዲ ኩሺ፣ ወዲ ግዳልያ፣ ወዲ ኣማርያ፣ ወዲ ህዝቅያስ፣ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ።

2 ኣነ ንብዘሎ ዅሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

3 ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ፣ ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ፣ ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

4 ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ዅላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ፣ ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል፣ ንስም ካህናት ጣኦታት፣ ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ፣

5 ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚሰግዱን ዚምሕሉን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን፣

6 ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን ከጽንቶም እየ።

7 መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፣ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፣ ነቶም ዕዱማቱ ኸኣ ቀዲስዎም እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ።

8 ኪኸውን ድማ እዩ፣ በታ መዓልቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን ክቐጽዖም እየ።

9 በታ መዓልቲ፣ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዚዘልዋ፣ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዚመልእዋ ዅላቶም ክቐጽዖም እየ።

10 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታ ኻብ ደገ ዓሳ፣ ኣውያት ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ደገ፣ ካብ ኵርባታት ድማ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ።

11 ኵሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ፣ እቶም ብሩር እተሰከሙ ዅላቶም ጸኒቶም እዮም እም፣ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ፣ ብኸዩ።

12 በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኺጕርጕራ እየ፣ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም፣ እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገበር: ክፉእውን ኣይገብር፣ ዚብሉን ሰባት ኪቐጽዖም እየ።

13 ገንዘቦም ኪዝመት፣ ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ፣ ግናኸ ኣይኪነብርዎን፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፣ ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም።

14 እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር፣ ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ፣ ቀሪባ እያ፣ ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ ኣላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ።

15 እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፣ መዓልቲ ጸበባን መከራን፣ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፣ መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ።

16 ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።

17 እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ፣ ከጽብበሎም እየ፣ ከም ዕዉራት ድማ ኪመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሓመድ ኪክዖ እዩ፣ ስጋኦም ከኣ ከም ጐሓፍ።

18 ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ፣ በታ መዕልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ፣ ግናኸ ዅላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ።