ፊልሞን 1

1 ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡

2 ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን።

3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።

4-7 ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና ኢየሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።

8 ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡

9 ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ።

10 ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ አሎኹ።

11 ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፡ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ አሎኹ።

12 ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ።

13 ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ።

14 ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን።

15 እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን።

16 ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን።

17 እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ።

18 ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቍጸሮ።

19 ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሐፍክዎ፡ ርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ከይብለካ፡ ኣነ እፈድዮ።

20 እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ።

21 ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ።

22 ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይ።

23 ኤጳፍራስ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ መተኣስርተይ፡

24 ከምእውን እቶም መዓይይተይ፡ ማርቆስ፡ ኣርስጠርኮስ፡ ዴማስ፡ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ አለዉ።

25 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።