ዕንባቆም 1

1 ነብዪ ኣንባቆም ዝረኣዮ ጾር እዚ እዩ።

2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፣ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ∶ ኣነ፣ ዓመጽ፣ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣየድሐንካን።

3 ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፣ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት∶ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ።

4 ስለዚ ሕጊ ደኸመ፣ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ።

5 እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይተኣምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርኣዩን ጠምቱን፣ ተገረሙ ተደነቑውን።

6 እንሆ፣ ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ፣ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ።

7 ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም፣ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ።

8 ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቶዅላ ምሸት ይፈጥኑ፣ ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ፣ ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፣ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ።

9 ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፣ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፣ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ።

10 ንነገስታት የላግጹሎም፣ መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣ መሬት ይእክብ፣ ይወስዶ ኸኣ።

11 ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፣ ንኽንየው ይሐልፍ፣ በዳሊ ኸኣ ይኸውን፣ ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።

12 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ቅዱሰይን፣ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን ∶ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፣ ኣታ ኸውሒ፣ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም።

13 ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፣ ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኰነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም∶ ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ካብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል።

14 ከምይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመምታን እትገብሮም∶

15 ንዅላቶም ብመቝለብ ኣውጽኦም፣ ብመርበቡ ሰሐቦም፣ ብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፣ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል።

16 ስለዚ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፣ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዐጥን ኣሎ፣ እዚኸኣ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፣ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ።

17 ስለዚዶ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ∶ ኵሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቐትል እዩ∶