1ይ ጢሞቴዎስ 1

1 ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡

2 ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።

3-4 እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዜብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ።

5 እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ።

6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡

7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።

8 ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

9 ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡

10 ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።

11 እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።

12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ አሎኹ።

13 ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ።

14 ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።

15 ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ።

16 ግናኸ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።

17 እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።

18-19 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቍበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ።

20 ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።