ሆሴእ 1

1 ብዘመን እቶም ነገስታት ይሁዳ፣ ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ብዘመን እቲ ንጉስ እስራኤል፣ የሮብዓም ወዲ ዮኣስን ንሆሴእ ወዲ ብኤሪ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ።

2 እግዚኣብሄር ብሆሴእ ኪዛረብ ምስ ጀመረ፣ እግዚኣብሄር ንሆሴእ፣ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ እሞ፣ ኪድ፣ ውሉድ ምንዝርና ዘለውዋ ሰበይቲ ምንዝርና ኣእቱ፣ በሎ።

3 ከደ እሞ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ኣእተወ። ንሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትሉ።

4-5 እግዚኣብሄር ድማ፣ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ንደም ይዝሬኤል ኣብ ልዕሊ ቤት የሁ ኸውርዶ፣ ንመግስቲ ቤት እስራኤል ከኣ ከጥፍኣ እየ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ይዝሬኤል ክሰባብሮ እየ እሞ፣ ስሙ ይዝሬኤል ኢልካ ስመዮ፣ በሎ።

6 ከም ብሓድሽ ከኣ ጠነሰት ጓል ድማ ወለደት። በሎውን፣ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ይቕረ ኢለ ከቶ ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፣ ስማ ሎሩሓማ ኢልካ ስመያ።

7 ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ። ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፣ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትንሲ ኣየድሕኖምን እየ።

8 ንሎሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ፣ ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት።

9 እግዚኣብሄር ድማ፣ ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፣ ኣነውን ናትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፣ ስሙ ሎዓሚ ኢልካ ስመዮ፣ በሎ።

10 ግናኸ ፍቕዲ ደቂ እስራኤል ኸምቲ ኺስፈርን ኪፍቀድን ዘይከኣል ሑጻ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፣ ኣብቲ፣ ህዝበይ ኣይኰንኩምን እተባህለሉ ስፍራ ኸኣ፣ ንስኻትኩም ደቂ ህያው ኣምላኽ ኢኹም፣ ኪብልዎም እዮም።

11 መዓልቲ ይዝሬኤል ዓባይ እያ እሞ፣ ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን ሓቢሮም ኪእከቡ፣ ንርእሶም ሓደ ሓለቓ ኺገብሩ፣ ካብታ ሃገርውን ኪወጹ እዮም።