ሆሴእ 11

1 ንእስራኤል ህጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፣ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ።

2 ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑ፣ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከኣ ዐጠኑ።

3 ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ፣ ብቕልጽመይ ሐቘፍክዎም፣ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፣ ኣይፈለጡን።

4 ኣነ ብገመድ ሰብ፣ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፣ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰንክዎም፣ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።

5 ናብ ሃገር ግብጺ ኣይምለስን፣ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ኣሶራዊ ይነግሶ።

6 ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከኣ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፣ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪዀሞን ኪውሕጦን እዩ።

7 ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቡ ተሰቕለ፣ ናብቲ ልዑል ጸዊዖምዎም ክነሶም፣ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን።

8 ዎ ኤፍሬም፣ ከመይ ገይረ ክሐድገካ∶ዎ እስራኤል፣ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ∶ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ∶ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ∶ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፣ ኵሉ ምሕረተይ ነደደ።

9 ኣነስ ኣምላኽ እየ፣ ሰብ ኣይኰንኩን፣ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፣ ብነድሪ ቝጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፣ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፣ ንኤፍሬም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።

10 ንሱ ይጓዝም፣ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፣ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።

11 ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፣ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፣ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

12 ኤፍሬም ብሓሶት፣ ቤት እስራኤል ከኣ ብተንኰል ከበቡኒ፣ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኰይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ።