ሆሴእ 13

1 ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፣ ስምባድ ይኸውን ነበረ። ንሱ ኣብ እስራኤል ልዕል በለ፣ ንበዓል ብምግልጋሉ ምስ በደለ ግና ሞተ።

2 ሕጂ ኸኣ እናወሰኹ ሓጢኣት ይገብሩ ኣለዉ። ንሳቶም ንርእሶም ከም ምስትውዓሎም ገይሮም ጣኦታት፣ ብብሩሮም ፍሱስ ምስልታት፣ ይገብሩ ኣለዉ፣ ኵሎም ዕዮ ብልሓተኛታት እዮም። ብዛዕባኦም ከኣ፣ እቶም ዚስውኡ ሰባት ነቶም ብተያት ይሳለምዎም፣ ይብሉ።

3 ስለዚ ንሳቶም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዚዘፍፍ ኣውሊ፣ ከምቲ ካብ ዓውዲ ብንፋስ ዚብተን ብቝቡቝ፣ ከምቲ ብመስኰት ዚወጽእ ትኪ ይዀኑ።

4 ግናኸ ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፣ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ ብጀካይ ድማ መድሓኒ የልቦን።

5 ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፣ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ፈለጥኩኻ።

6 ብመጠን መጓሰዪኦም ጸገቡ፣ ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ፣ ስለዚ ረስዑኒ።

7 ኣነ ድማ ከም ኣንበሳ ዀንክዎም፣ ከም ነብሪ ኸኣ ኣብ መገዲ ኤድቢ ኣሎኹ።

8 ኰረዅራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ዀይነ ህሩጕ እብሎም፣ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከኣ እቐዶ፣ ኣብኡ ድማ ከም ዋዕሮ እውሕጦም፣ ኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም።

9 ዎ እስራኤል፣ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካስ ጥፍኣትካ እዩ።

10 ንጉስካ ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካስ ኣበይ ኣሎ∶ እቶም ብዛዕባኦም፣ ንጉስን መሳፍትን ሀበኒ፣ ዝበልካሎም ፈራዶኻኸ ኣበይ ኣለዉ∶

11 ብዅራይ ንጉስ ሀብኩኻ፣ ብቝጥዓይ ድማ ክስዕሮ እየ።

12 ኣበሳ ኤፍሬም ተጠሚሩ፣ ሓጢኣቱ ተነቢሩ ኣሎ።

13 ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቕልውላው ይመጾ፣ ጊዜ ምስ በጽሔ፣ ንምላድ ኣይቀርብን እዩ እሞ፣ ዘይለባም ወዲ እዩ።

14 ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፣ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት፣ ፌራኻ ኣበይ ኣሎ∶ ኣታ ሲኦል፣ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ∶ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሐብኤት።

15 ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ፍረ ይፈሪ፣ ንፋስ ምብራቕ፣ እቲ ካብ ምድረ በዳ ዚወጽእ ንፋስ እግዚኣብሄር ይመጽእ፣ ዓይኒ ማያቱ ኸኣ ይነቅጽ፣ ወሓዚታቱውን ይነጽፍ፣ ዕቋሩን ኵሉ ኽቡር ኣቓሑኡን ንሱ ይዘምቶ።

16 ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኸዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።