ሆሴእ 9

1 ዎ እስራኤል፣ ንኣምላኽካ ሐዲግካ መንዚርካ፣ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻ እሞ፣ ከም ህዝብታት ክሳዕ እልልታ ኣይትተሐጐስ።

2 ዓውድን መጽሙቝ ወይንን ኣይቅልቦምን፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ይጠልሞም።

3 ንሳቶም ኣብ ሃገር እግዚኣብሄር ኣይነብሩን፣ ኤፍሬምሲ ናብ ግብጺ ደኣ ይምለስ፣ ኣብ ኣሶር ድማ ርኹስ ብልዒ ይበልዑ።

4 ንእግዚኣብሄር ወይኒ ኣየፍስሱን፣ መስዋእቲ ሕሩዶም ከኣ ባህ ኣየብሎን፣ ንኣታቶም ከም እንጌራ ሓዘን ይዀኖም፣ ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ዅሉውን ይረክስ። እንጌራኦም ንርእሶም እዩ እሞ: ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።

5-6 እንሆ፣ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፣ ግብጺ ትእክቦም፣ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፣ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተዀርባ ይወርሶ፣ ኣብ ድንኳናቶም ከኣ እሾዅ ኣዩ እሞ፣ ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር እንታይ ክትገብሩ ኢኹም∶

7 መዓልትታት ቅጽዓት መጻ፣ መዓልትታት ፍዳ መጻ፣ እስራኤል ይፈልጦ እዩ፣ ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዕቤት ጽልእን ነብዪ ዐሸወ፣ እቲ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዐበደ።

8 ሓላዊ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ነበረ፣ ነቲ ነብዪ ኣብ ኵሉ መገዱ መፈንጥራ ኣዕዋፍ ይረኽቦ፣ ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ ኣሎ።

9 ከምቲ ብመዓልትታት ጊብዓ ዝዀነ፣ ኣዕሚቖም ተበላሸዉ። ንሱ ኣበሳኦም ይዝክር፣ ሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ።

10 ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ረኽብክዎ። ነቦታትኩም ከምቲ ኣብ እትብኰር ኦም በለስ ዘሎ ቐዳማይ ፍረ ርኤኽዎም፡፡ ንሳቶም ናብ በዓል፦ጴኦር ኣተወ፡ ንነውሪ ኸኣ ተፈልዩ፡ ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፉናት ኰኑ።

11 ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ኪነፍር እዩ፣ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን።

12 ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፣ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዜብሎም ክገብሮም እየ፣ እወ፣ ኣነ ኻባታቶም ምስ ዝርሕቕ ወይለኦም።

13 ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኰይኑ ርኤኽዎ፣ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም።

14 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሀቦም። እንታይ ክትህቦም∶ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጡብን ሀቦም።

15 ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፣ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፣ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎም፣ ድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፣ ኵሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም።

16 ኤፍሬም ተወቕዔ፣ ሱሮም ነቐጸት፣ ፍረ ኣይፈርዩን፣ እንተ ወለዱ እኳ፣ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።

17 ስለ ዘይሰምዕዎ፣ ኣምላኸይ ይድርብዮም፣ ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኰብለልቲ ይዀኑ።