ሆሴእ 5

1 ኣብ ሚጽጳ መንፈጠራ፣ ኣብ ታቦር ከኣ እተዘርግሔት መርበብ ስለ ዝዀንኩም፣ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናት፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ኣድህቡ፣ ኣቱም ቤት ንጉስ፣ ጽን በሉ።

2 እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሐርዱ፣ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኵሎም ክቐጾዖም እየ።

3 ኣታ ኤፍሬም፣ ንስኻ ሕጂ መንዚርካ፣ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን።

4 መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም ኣሎ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፣ ናብ ኣምላኾም ከይምለሱስ ግብሮም ይኸልኦም።

5 ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር። እስራኤልን ኤፍሬምን ከኣ ብኣበሳኦም ይወድቁ፣ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ።

6 ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፣ ግናኽ ኣይረኽብዎን፣ ንሱስ ካብኦም ርሒቑ እዩ።

7 ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሒ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ።

8 ኣብ ጊብዓ ቐርኒ፣ ኣብ ራማ ኸኣ መለኸት ንፍሑ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ፣ ኣታ ብንያም፣ ኣብ ድሕሬኻ፣ ኢልኩም ኣእውዩ።

9 ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ኪባድም እዩ፣ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ።

10 ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዚደፍኡ እዮም፣ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ።

11 ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምኻድ ፈትዩ እዩ እሞ፣ ግፉዕ፣ ብፍርዲ ኸኣ ውጹዕ እዩ።

12 ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ቍንቍነ እየ።

13 ኤፍሬም ሕማሙ፣ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፣ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፣ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለኣኸ፣ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከኣሎን፣ ካብ ቍስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ።

14 ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ፣ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፣ ክወስድ እየ፣ ዜድሕን ድማ የልቦን።

15 በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ ገጸይ ከኣ ክሳዕ ዚደልዩ፣ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም።