2ይ ሳሙኤል 1

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ።

2 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸአ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብአይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።

3 ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ።

4 ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም፡ በለ።

5 ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ኸኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ፡ በሎ።

6 እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጊልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ።

7 ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ።

8 ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ።

9 ንሱ ኸኣ፡ ገና ህይው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ።

10 ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ።

11 ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበረ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።

12 ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ።

13 ዳዊት ድማ ነቲ ዝገበሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ።

14 ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ኸመይ ዘይፈራህካ፡ በሎ።

15 ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።

16 ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስካ እዩ፡ በሎ።

17 ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም።

18 ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ።

19 ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ።

20 ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ።

21 ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ከኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን።

22 ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን።

23 ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፋለዩን፡ ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።

24 ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ ነቲ ዜሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበሰክን፡ ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ።

25 እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ። ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ።

26 ዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።

27 እዞም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። አጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ።