2ይ ሳሙኤል 3

1 እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ነዊሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ እናበርትዔ ኸደ፡ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።

2 ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ በዂሩ ኸኣ ካብ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን እዩ።

3 እቲ ኻልኣዩውን ካብ ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስ፡ እተወልደ ኪልኣብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣቤሴሎም፡ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ፡ ንጉስ ጌሹር፡ እዩ።

4 እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት እዩ። እቲ ሓምሳይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ።

5 እቲ ሳድሳይ ድማ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ።

6 ኰነ ድማ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ከሎ፡ ኣብኔር ኣብ ቤት ሳኦል ሰልጢኑ ነበረ።

7 ሳኦል ከኣ ርጽጳ ዝስማ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት ድማ ንኣብኔር፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝአቶኻ፡ በሎ።

8 ሽዑ ኣብኔር በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣዝዩ ተናዲዱ በለ፡ ኣነስ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ ድየ፡ ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን ምሕረት እገብር ኣሎኹ፡ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሀብኩኻን፡ ንስካ ግና ሊሚ ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ በደል ቈጸርካለይ።

9-10 ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ።

11 ሽዑ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ እኳ ኺዛረቦ ኣይከአለን።

12 ሽዑ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡካት ሰዲዱ፡ እዛ ሃገር ንመን እያ፡ በለ። ኪዳንካ ግዳ እተወለይ፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዘለዉ እስራኣኤል ናባኻ ንምምላስ ኢደይ ምሳኻ እያ፡ ከኣ በለ።

13 ንሱ ድማ፡ ጽቡቕ፡ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እአቱ፡ ሃደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣሎኹ፡ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ቅድም ንሚካል ጓል ሳኦል እንተ ዘየምጻእካ፡ ገጸይ ኣይትርእን ኢኻ፡ በለ።

14 ዳዊት ድማ ናብ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ብሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን ዘሕጼኽዋ ሰበይተይ ሚካል ምለሰለይ፡ በሎ።

15 ኢሽ-ቦሸት ከኣ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል ወዲ ላዪሽ፡ ወሰዳ።

16 እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ኪኸይድ ከሎ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ሰዐባ። ሽዑ ኣብኔር፡ ኪድ፡ ተመለስ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ተመልሰ።

17 ኣብኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል፡ ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኪኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም።

18 እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት፡ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ፡ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ እምበኣር ሕጂ ግበርዎ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

19 ኣብ እዝኒ ብንያምውን ኣብኔር ተዛረበ። ኣብኔር ድማ እቲ ንእስራኤልን ንብዘላ ቤት ብንያምን ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮም ኲሉ ኣብ እዝኒ ዳዊት ኪዛረብ ናብ ኬብሮን ከደ።

20 ኣብኔር ምስኡ ኸኣ ዕስራ ሰብ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጹ። ዳዊት ድማ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብን ምሳሕ ገበረሎም።

21 ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺአትዉስ፡ ንዂሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፡ ተንሲኤ ክኸይድ፡ ሽዑ ኸምቲ ነፍስካ ዝደለየቶ ዂሉ ጌርካ ትነግስ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ብሰላም ድማ ኸደ።

22 እንሆ ኸኣ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ካብ ወራር መጹ፡ ምሰታቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ አእተዉ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን።

23 ዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ሰራዊትን ምስ አተዉ ኸኣ፡ ኣብኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፡ ንሱ ኸኣ ኣፋንይዎስ፡ ብሰላም ከይዱ፡ ኢሎም ንዮኣብ ነገርዎ።

24 ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ፡ እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ፈጺሙ ኪኸይድ ዝሐደግካዮ፡

25 ኣብኔር ወዲ ኔር ባዕልኻዶ ትፈልጦ ኣይኰንካን፡ ንሱ ኼዐሽወካን ምውጻእካን ምእታውካን ድማ ኪፈልጥን፡ ንስካ እትገብሮ ዅሉውን ኪፈልጥ ከም ዝመጸ፡ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ።

26 ዮኣብ ካብ ዳዊት ምስ ወጸ ድማ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ሰደደ፡ ካብ ሓጽቢ ሲራ ኸኣ መለስዎ። ዳዊት ግና ኣይፈለጠን።

27 ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዮኣብ ኣብ በይኑ ኺዛረቦ ኢሉ ናብ ማእከል ደገ ኣግለሶ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ደም ሓዉ ዓሳሄል ከብዱ ወግኦ፡ ሞተ ኸኣ።

28 ድሕርዚ ኸኣ ዳዊት እዚ ሰምዔ እሞ፡ ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ንጹሃን ኢና።

29 እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፡ ኣብ ቤት ዮኣብ ድማ ጀጋል ወይ ለምጻም ወይ ምርኩስ ዚምርኰስ ወይ ብሴፍ ዚወድቕ ወይ እንጌራ ዚጐድሎ ኣየቛርጽ፡ በለ።

30 ኣብኔር ንሓዎም ዓሳሄል ኣብ ጊብዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡ ዮኣብን ኣቢሳይ ሓዉን ከኣ ንኣብኔር ቀተልዎ።

31 ዳዊት ድማ ንዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን፡ ክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ከሊውን ተኸደኑ፡ ቀቅድሚ ኣብኔር ከኣ ብኸዩ፡ በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።

32 ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፡ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ድምጹ ዓው ኣቢሉ በኸየ፡ ኲሎም ህዝቢውን በኸዮ።

33 ንጉስ ድማ ንኣብኔር፡ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉ፡ ኣብኔርውንንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት፡

34 ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ ኣእጋርካውን ብመቚሕ ኣይተቓቐራን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ ዚወድቕ ወደቕኻ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ በኸዩሉ።

35 እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ ንዳዊት ገና መዓልቲ ኸሎ እንጌራ ኼብልዕዎ መጹ፡ ዳዊት ግና፡ ጸሓይ ከይዐረበት እንጌራ ዀነ ወይ ዝዀነ ዂሉ እንተ ጠዐምኩ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይድገመኒ፡ ኢሉ መሐለ።

36 ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።

37 እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኰነ፡ ብዘሎ እቲ ህዝብን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።

38 ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡

39 ኣነ ኸኣ፡ ምንም እኳ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኩ፡ ድኹም እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ነቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ እግዚኣብሄር ደአ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ፡ በሎም።