2ይ ሳሙኤል 5

1 ሽዑ ብዘለዉ ነገዳት እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡ እኔና፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ፡

2 ካብ ቀደም፡ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን ነበርካ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ፡ በልዎ።

3 ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን መጹ፡ ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን አተወ። ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።

4 ዳዊት ኪነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፡ ኣርብዓ ዓመት ከኣ ነገሰ፡

5 ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርህን ነገሰ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኰይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።

6 ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ ኢየሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝንበሩ ይቡሳውያን ኪዋግኡ ኸዱ። ንሳቶም ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትአቱን ኢኻ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኺሰጉኻ እዮም፡ በልዎ። ማለት ዳዊት ናብዚ ኣይኪአቱን እዩ።

7 ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።

8 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየቡሳዊ ዝቐተለ ዘበለ ናብቲ መትርብ ማይ ይደይብ እሞ ነቶም ነፍሲ ዳዊት እተጸልኦም ሓንካሳትን ውዕራትን ይቕተሎም በለ። ስለዚ ዕውርን ሓንሳስን ናብ ቤት አይእተዉ፡ ተባህለ።

9 ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።

10 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምስኡ ነበረ እሞ፡ እናዐበየ ኸደ።

11 ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ጸረብትን ወቐርቲ እምንን ገይሩ ሰደደሉ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት ሀነጹሉ።

12 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ፡ ነታ መንግስዉውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዐለ።

13 ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ ኢየሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።

14 እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም እተወልዱሉ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡

15 ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊዓን፡

16 ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን።

17 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም ዝቐብእዎ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ።

18 ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።

19 ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ፡ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ።

20 ዳዊት ድማ፡ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ዳዊት ሰዐሮም፡ ማይ ከም ዚብተን፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ጸላእተይ ካብ ቅድመይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኣላ።

21 ጣኦታቶም ከኣ ኣብኡ ሐደጉ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣልዐልዎም።

22 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።

23 ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ሐተቶ ድማ፡ ንሱ፡ ኣይትደይቦም፡ ብድሕሪኦም ደአ ዙሮም፡ ብመንጽር እቲ ሳጋሉ ኸኣ እተዎም።

24 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ናይ ዚረግጽ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ቐልጢፍካ ስረር፡ በሎ።

25 ዳዊት ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበር፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጌብዕ ክሳዕ እታ ንጌዘር እትአትወላ ሰዐሮም።