2ይ ሳሙኤል 4

1 ወዲ ሳኦል ድማ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣእዳዉ ዘርጋሕ በለ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ሰምበዱ።

2 ንወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሰብ፡ ሓላቑ ሰራዊት ነበርዎ፡ ስም እቲ ሓደ ባዓና፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ካብ ደቂ ብንያም እዮም። ብኤሮትሲ ናብ ብንያም እያ እትቚጸር።

3 እቶም ብኤሮታውያን ናብ ጊታዪም ሀዲሞም ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኰይኖም ኣለዉ።

4 ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ እግሩ እተጐድኤ ወዲ ነበሮ። ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፡ እታ መጒዚቱ ድማ ሒዛቶ ሀደመት። ኰነ ኸኣ፡ ቀልጢፉ ኽትሀድም ከላ፡ ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።

5 እቶም ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ከዱ፡ መዓልቲ ምስ ደሀረ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ።

6 ስርናይ ዚወስዱ መሲሎም ናብ ማእከል ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ። ሽዑ ሬካብን ባዓና ሓዉን ኣምለጡ።

7 ናብ ቤቱ ምስ አተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወጊኦም ቀተልዎ፡ ርእሱ ቘረጹ። ርእሱ ወሲዶም ድማ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ጐልጐል ከዱ።

8 ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት፡ ወዲ እቲ ንነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ፡ እንሆልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ፡ በልዎ።

9 ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንባዓና ሓዉን፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሐና፡

10 ነቲ ዘበሰረ መሲልዎስ፡ እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ፡ ኢሉ ዝነገረኒ፡ ብስራቱ ንምኽፋል ሒዙ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ።

11 ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን፡ ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ፡

12 ዳዊት ድማ ንገላዉኡ ኣዘዞም፡ ንሳቶን ከኣ ቀተልዎም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቈራረጽዎም፡ ኣብ ጥቓ ቐላይ ኬብሮን ሰቐልዎም። ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ግና ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።