2ይ ሳሙኤል 10

1 ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሓኑን ነገሰ።

2 ዳዊት ድማ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ዝገበረለይ፡ ንእኡ ምሕረት ክገብር እየ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ብገላውኡ ገይሩ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ናብ ደቂ ዓሞን ኣተዉ።

3 እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንጐይታኦም ሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ፡ ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኬጥፍኣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፡ በልዎ።

4 ሽዑ ሓኑን ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፈረቓ ጭሕሞም ድማ ላጽዩ፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።

5 እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎ ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩምሲ ተመለሱ፡ በሎም።

6 ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ከም እተጸልኡ ምስ ረአዩ፡ እቶም ደቂ ዓሞን ልኢኾም ካብ ናይ ቤት ራሖብ ሶርያውያንን ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን ዕስራ ሽሕ እግረኛ፡ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ፡ ካብ ሰብ ጦብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ተኻረዩ።

7 ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንዮኣስ ነቶም ጀጋኑ ዘበሉ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።

8 ደቂ ዓሞን ከኣ ወጺኦም ኣብቲ ኣፍ ደገ ንውግእ ተሰለፉ፡ እቶም ሶርያውያን ናይ ጾባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።

9 ሽዑ ዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ውግእ ከም ዝዀኖ፡ ምስ ረአየ፡ ካብ ኲሎም ሕሩያት እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።

10 እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሳይ ሓዉ ነበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበል ድማ ኣሰለፎ።

11 በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ግና፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ።

12 ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር።

13 ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ።

14 እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረአዩ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ቅድሚ ኣቢሳይ ሀዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ዮኣብ ካብ ደቂ ዓሞን ተመሊሱ ናብ የሩሳውሌም ኣተወ።

15 ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፡ ብሓደ ተአከቡ።

16 ሃዳድ-ዔዘር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽኦም እሞ፡ ሾባኽ እቲ ናይ ሃዳድ-ዔዘር ሓለቓ ሰራዊት መሪሕዎም ናብ ሔላም መጹ።

17 እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፡ ናብ ሔላም መጸ፡ ሶርያውያን ድማ ንዳዊት ኪቃባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ ኸኣ ተዋግኡ።

18 እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሾብዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛን ቀተለ፡ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊቶም ድማ ቀተሎ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ።

19 እቶም ንሃዳድ-ዔዘር ዚግዝኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፡ ምስ እስራኤል ተዐሪቖም ተገዝኡ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕርዚ ንምርዳእ ደቂ ዓሞን ፈርሁ።