2ይ ሳሙኤል 9

1 ዳዊት ድማ፡ ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ምህረት ዝገበረሉ ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፡ በለ።

2 ጺብ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ነበረ፡ ንእኡ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ። ንጉስ ድማ፡ ንስኻ ዲካ ጺባ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ንሱ እዩ በለ፡

3 ንጉስ ድማ፡ ምሕረት ኣምላኽ ክገብረሉስ፡ ካብ ቤት ሳኦልዶ ገለ የልቦን፡ በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣእጋሩ እተጐድኤ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፡ በሎ።

4 ንጉስ ድማ፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፡ በሎ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓማኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ፡ በሎ።

5 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ኣምጽኦ።

6 መፊቦሸት ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ናብ ዳዊት መጺኢ፡ ብገጹ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ዳዊት ድማ፡ መፊቦሸት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጊልያኻ፡ በለ።

7 ዳዊት ድማ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢሌ ርግጽ ምሕረት ክገብረልካ እየ፡ ንስኻ ኸኣ ንሓዋሩ ኣብ መአደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በሎ።

8 ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ናብ ከማይ ዝበለ ምውት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እየ፡ በለ።

9 ሽዑ ንጉስ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ጸዊዑ፡ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ ዂሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣሎኹ።

10 ንስኻን ደቅኻን ግዙኣትካን ድማ፡ ንወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዚብላዕ እንጌራ ኪዀኖስ፡ እቲ መሬት ሐሪስኩም፡ ንእኡ ኣእትወሉ። መፊቦሸት ወዲ ጐይታኻ ግና ንወርትግ ኣብ መአደይ እንጌራ ኺበልዕ እዩ፡ በሎ። ንጺባ ኸኣ ዓሰርተው ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ግዙኣትን ነበርዎ።

11 ጺባ ድማ ንንጉስ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝአዘዞ ዂሉ ጊልያኻ ኸምኡ ኺገብር እዩ፡ በሎ። ንጉስ መሊሱ፡ መፊቦሸትሲ ኸም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣደይ ኪበልዕ እዩ፡ በለ።

12 መፊቦሸት ከኣ፡ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ጺባ ዝነበሩ ዂሎም ድማ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ።

13 መፊቦሸት ከኣ፡ ወርትግ ኣብ መአዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ክልቲኡ እግሩ ሓንካስ ነበረ።