2ይ ሳሙኤል 15

1 ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብአይን ገበረ።

2 ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ኪፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ፡ ኣቤሴሎም ናብኡ ጸዊዑ፡ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ፡ በለ።

3 ኣቤሴሎም ድማ፡ ርኤ፡ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ንጉስ እተአዘዘ ዚሰምዓካ ደአ የልቦን፡ ይብሎ ነበረ።

4 ኣቤሴሎም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኽፈርደሉስ፡ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ፡ ይብል ነበረ።

5 ኰነ ድማ፡ ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።

6 ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።

7-8 ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደአ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እዩ፡ ኢለ መብጸዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ።

9 ንጉስ ከኣ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ተንሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።

10 ኣቤሴሎም ግና ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹ፡ ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ በሉ፡ በሎም።

11 ምስ ኣቤሴሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ የሩስሌም ከዱ፡ ንዳቶም ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ገለ ኸይፈለጡ፡ ብገርሆም ከዱ።

12 ኣቤሴሎም መስዋእትታት ሕሩድ ኪስውእ ከሎ ድማ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል ጊሎናዊ፡ ናይ ዳዊት መኻሪ፡ ካብ ከተማኡ፡ ካብ ጊሎ ጸውዖ። እቲ ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ኸደ።

13 ሓደ ወረኛ ናብ ዳዊት መጺኡ ኸኣ፡ ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ስዒቡ እዩ በለ።

14 ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ገላዉኡ፡ ተንስኡ ንህደም፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውጽኢ የብልናን እሞ፡ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸይወድቀና፡ ክፉእ ድማ ከየምጽአልና፡ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሴፍ ከይወቕዓስ፡ ቀልጥፍ ንኺድ፡ በሎም።

15 እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝደለዮ ዘበለ ዂሉ ንምግባር፡ እነዉ ገላዉኻ ተዳልዮም ኣለዉ፡ በልዎ።

16 ንጉስ ድማ ወጸ፡ ብዘሎ ቤተ ሰቡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ግናኸ፡ ንጉስ ዓሰርተ ሰበይቲ ኣንስቲ ወሰኑ፡ ቤት ኪሕልዋ ሐደገን።

17 እቲ ንጉስ ወጸ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሰዐቦ። ኣብ ቤት-መርሓቅ ድማ ደው በሉ።

18 ኲሎም ገላዉኣኡ ኸኣ ጐጐቦኡ ሐለፋ፡ ኲሎም ጵለታውያንን ኲሎም ጋታውያንን ድማ፡ እቶም ካብ ጋት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቅድሚ ንጉስ ሐለፉ።

19 ሽዑ ንጉስ ንኢታይ፡ እቶ ጋታዊ፡ ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣሎኻ፡ ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ።

20 ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ፡ ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፡ ተመለስ ደአ፡ ነሕዋትካውን መለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።

21 ኢታይ ግና ንንጉስ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታ፡ ንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወት፡ ጊልያኻ ድማ ኣብአ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

22 ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡ ኪድ ተሳገር፡ በሎ። ኢታይ ጋታውን ኲሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዚነብሩ ዂሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ።

23 ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ዓው ኢላ ትበኪ ነበረት፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ተሳገሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ርባ ቄድሮን ተሳገረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ብመገዲ መረኻ ኣቢሎም ተሳገሩ።

24 እንሆ ኸኣ፡ ጻዶቅ ምስኡ ድማ ዂሎም ሌዋውያን ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ጾይሮም መጹ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ክኣ ኣቐመጥዎ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር ድማ፡ ኣብያታር ደዪቡ ነበረ።

25 ንጉስ ከኣ ንጻዶቅ፡ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡንንም ኣሕደሩን ድማ ከኢርእየኒ እዩ፡

26 ኣይፈትወካን እንተ በለኒ ግና፡ እኔኹ፡ ባህ ከም ዝበሎ ይግበረኒ፡ በሎ።

27 ንጉስ ድማ ንጻዶቅ ካህን፡ ንስኻ ረአዪ ደይኰንካን፡ ብሰላም ናብ ከተማ ተመለሰ፡ ወድኻ ኣሒማዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።

28 ርአዩ፡ እቲ ወረ ዚነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረባዳ ኽጸንሕ እየ፡ በሎ።

29 ሽዑ ጻዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢየሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ።

30 ዳዊት ድማ በቲ መደይቢ ደብረ ዘይቲ ደየበ። ኪድይብ ከሎ ኸኣ በኸየ፡ ንሱ ድማ ርእሱ ተጐልቢቡ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ደየበ።

31 ንዳዊት ከኣ፡ ኣሒቶፌል ኣብ መንጎ እቶም ማሓሐልቲ ተሐዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።

32 ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚስገደላ ቦታ ምስ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ሑሳይ ብዓል ኣርኪ ኽዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኪቕበሎ መጸ።

33 ዳዊት ድማ በሎ፡ ምሳይ እንተ ሐልፍካ፡ ክትከብደኒ ኢኻ።

34 ግናኸ ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፡ ንኣቤሴሎም ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ኣነ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ ቀደም ጊልያ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ድማ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ እንተ በልካዮ፡ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ኽትገብረለይ ኢኻ።

35 እቶም ካህናት ጻዶቅን ኣብያታራን ኣብኡ ምሳኻዶ ኣየለዉን? ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕካዮ ዘበለ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ክትነግሮም ኢኻ።

36 እነዉ ኽልቲኦም ደቆም ኣሕማዓጽ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ኣብኡ ምሳታቶም ኣለዉ። እትሰምዕዎ ዘበለ ዂሉ ነገር ድማ ብኣታቶም ጌርኩም ልአኹለይ።

37 ሑሳይ ፈታው ዳዊት ከኣ ናብ ከተማ አተወ፡ ኣቤሴሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወ።