2ይ ሳሙኤል 7

1 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡

2 እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታን፡ ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ ኣሎ፡ በሎ።

3 ናታን ከኣ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ።

4 ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ፡

5 ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ በሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ፡

6 ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደአ እከይድ ነበርክ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን።

7 ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ኪጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ፡

8 ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን፡ ካብ ምጒሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ።

9 ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስምእቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ።

10-11 ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽትኸሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ይነግረካ ኣሎ።

12 መዓልትታትካ ምስ መልአ፡ ምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስካ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ።

13 ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለአለም ከጽንዓሉ እየ።

14 ኣነ ኣቦ ክዀኖ፡ ንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸኣ፡ ብሸበጥ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን ገይረ ኽገርፎ እየ።

15 ግናኸ ከምቲ ነቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘግለስክዎ ሳኦል ዘግለስኩሉ፡ ምሕረተይ ካብኡ ኣየግልስን።

16 ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለአለም ኪጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለአለም ኪጸንዕ እዩ።

17 ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።

18 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አተወ ተቐሚጡ ድማ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ፡ ቤተይከ እንታይ እያ፡

19 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዝስ ሕጊ ሰብዶ እዩ፡

20 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንባርያኻ ትፈልጦ ኣሎኻ፡ ደጊምከ ዳዊት መሊሱ እንታይ ኢሉ ክዛረበካ እዩ፡

21 ምእንቲ እቲ ዘረባካን ከምቲ ናይ ልብኻን ንባርያኻ ኸተፍልጦስ፡ እዚ ዓብዪ ነገርዚ ገበርካ።

22 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ ብእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ።

23 ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን ኬድሕኖ፡ ስም ድማ ኪገብረሉ፡ እዚ ዓብዪ ነገር ኪገብረልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ኣህዛብን ካብ ኣማልኽቶምን ንኣኻ ኪኸውን ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ንምድርኻ ዜፍርህ ነገር ኪገብርን ኢሉ ኣምላኽ ዝኸዶ፡ ኣብ ምድርኻ ኸም ህዝብኻ፡ ከም እስራኤል ዝበለ ኣየናይ ሓደ ህዝቢ ኣሎ፡

24 ንህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለአለም ህዝብኻ ኪኸውን መደብካዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኰንካ።

25 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለአለም ኣጽንዓዮ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸኣ ግበር።

26 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ ብምባሎም ድማ ስምካ ንዘለአለም ይዕበ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜካ ትቑም።

27 ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ፡ ኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ፡ ስለዚ ባርያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባካ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ።

28 ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያካ ኣተስፎኻዮ።

29 ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።