2ይ ሳሙኤል 18

1 ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሸመሎም።

2 ዳዊት ከኣ ነቲ ህዝቢ፡ ሲሶኡ ኣብ ትሕቲ ኢድ ዮአብ፡ ነቲ ሲሶኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቢሻይ፡ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮአብ፡ ነቲ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣነ ኸኣ ርግጽ ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ፡ በሎም።

3 እቶም ህዝቢ ግና፡ ንሕናስ እንተ ሀደምና፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን፡ ፈረቓና እንተ ሞትናውን፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን እዮም፡ ንስኻ ግና ክንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፡ ኣይትውጻእ። እምበኣርሲ ሕጂ አዳሊኻ ኻብ ከተማ ኽትረድአና ይሐይሽ፡ በሉ።

4 እቲ ንጉስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም እገብር፡ በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ደው በለ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ድማ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኰይኖም ወጹ።

5 እቲ ንጉስ ከኣ ንዮአብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ምስ እቲ ጐበዝ፡ ምስ ኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ብቐስታ ግበርዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዂሎም ሓላቑ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ኪእዝዞም ከሎ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።

6 እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእስራኤል ኪቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ፡ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ።

7 ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናብ ዕስራ ሽሕ ዚአክል ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ።

8 ኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ሴፍ ዝወሐጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሐጦ በዝሔ።

9 ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉ ዳዊት ብቕድሚኦም ተጓነፎም። ኣቤሴሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ነበረ፡ እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ደስደስ ዓብዪ ድዋ አተወት፡ ርእሱ ኸኣ ኣብቲ ድዋ ተታሕዘ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሐለፈት።

10 ሓደ ሰብአይ ድማ ርእዩ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ንኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ፡ ኢሉ ነገሮ።

11 ዮአብ ከኣ ነቲ ዝነገሮ ሰብአይ፡ እንሆ፡ ርኢኻዮ ኸሎኻስ ስለምንታይ ድአ ኣብኡ ምስ ምድሪ ዘየጣበቕካዮ፡ ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ሓደ ቕናትን ምሀብኩኻ ነይረ፡ በሎ።

12 እቲ ሰብአይ ከኣ ንዮኣብ፡ ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ተጠንቀቑሉ፡ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዖ ነርና ኢና እሞ፡ ሽሕ ሲቃል ብሩር ተመዚኑ ኣብ ኢደይ እንተ ዝቕበል እኳ፡ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይምዘርጋሕኩን።

13 ንነፍሱ ደፊረያ ኸም ኰንኩ ድማ፡ ካብ ንጉስ ዚሕባእ ነገርሲ የልቦን፡ ንስኻ ኸኣ ምተቓወምካኒ ኔርካ፡ በሎ።

14 ሽዑ ዮአብ፡ ከምዚ ምሳኻ ኽድንጒ ኣይደልን፡ በለ። ሰለስተ መዝረቕ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ድማ፡ ንሱ ገና ብህይወቱ ኣብ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ኸሎ፡ ናብ ልቢ ኣቤሴሎም ሸኸተን።

15 ዓሰርተ መንእሰይ፡ ጋሻ ዛግረ ዮአብ ከኣ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፡ ወቒዖም ድማ ቀተልዎ።

16 ዮአብ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ዮኣብ ነቲ ህዝቢ ኸልከሎ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ምስጓጒ እስራኤል ተመልሰ።

17 ንኣቤሴሎም፡ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ጒድጓድ ደርበይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ዂምራ እምኒ ደርደሩሉ። ብዘለዉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።

18 ኣቤሴሎም ድማ፡ ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ ወሲዱ ነቲ ኣብ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ኸኣ ብስሙ ሰመዮ፡ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ይበሀል ኣሎ።

19 ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ ንንጉስስ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቱ በዪንሉ እዩ እሞ፡ ጐይየ ደአ ኸበስሮ፡ በለ።

20 ዮኣብ ከኣ፡ ንስኻ ሎሚ መዓልቲ ብስራት እትነግር ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ብኻልእ መዓልቲ ደአ ተበስር፡ ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ኣይተበስርን ኢኻ፡ በሎ።

21 ዮአብ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ ኪድ፡ ዝርኤኻዮ ንንጉስ ንገሮ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ኢድ ነሲኡስ ጐየየ።

22 ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ኣነውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ፡ በጃኻ፡ በሎ። ዮአብ ከኣ፡ ወደየ፡ ናይ ብስራት ዚመጸካ ነገር ዜብልካስ፡ ስለምንታይ እትጐዪ፡ በሎ።

23 ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደአ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጒየ፡ በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ጐልጐል ጐይዩ ነቲ ኩሻዊ ቐደሞ።

24 ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ዘብዔኛ ኸኣ ብወገን እቲ መካባብያ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ደገ ይኸይድ ነበረ። ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብአይ ረአየ።

25 እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ጸዊዑ ንንጉስ ነገሮ። ንጉስ ከኣ፡ በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ብስራት ኣብ ኣፉ ኣሎ፡ በለ። እናጐየየ ድማ ቐረበ።

26 እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ካልእ ሰብአይ ኪጐዪ ረአየ፡ ሽዑ እቲ ዘብዔኛ ነጋፋሪ ጸዊዑ፡ እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብአይ ድማ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚውን ዜበስር እዩ፡ በለ።

27 እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ንአይሲ ጒያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ መሲሉ ይረአየኒ፡ በለ። ንጉስ ከአ፡ ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ፡ ጽቡቕ ብስራት ዜምጽእ እዩ፡ በለ።

28 ኣሒማዓጽ ድማ ንንጉስ፡ ሰላም ኢሉ፡ ጨደረ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነሲኡ ኸኣ፡ እቲ ነቶም ኣብ ጐይታይ ንጉስ ኣእዳዎም ዘልዐሉ ሰባት ኣሕሊፉ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይባረኽ፡ በለ።

29 እቲ ንጉስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሐንዶ ኣሎ፡ በለ። ኣሒማዓጽ ከኣ፡ ንዮአብ ነቲ ጊልያ ንጉስን ንኣይ ንጊልያኻን ኪልእከና ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርኤኹ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን፡ በለ።

30 እቲ ንጉስ ከኣ፡ እግሊስካ ኣብኡ ደው በል፡ በሎ። ኣግሊሱ ድማ ደው በለ።

31 እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኩሻዊ መጸ። እቲ ኩሻዊ ድማ፡ ካብ ኢድ እቶም ዝተንስኡኻ ዂሎም እግዚኣብሄር ሎሚ በይኑልካ እዩ እሞ፡ ንጐይታይ ንጉስ ብስራት፡ በለ።

32 እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ኩሻዊ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓንዶ ኣሎ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ ጸላእቲ ጐይታይ ንንጉስን ንኽፉእካ ዚትንስኡ ዂሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ፡ በለ።

33 ሽዑ ንጉስ ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለ፡ ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየ። እናኸደ ኸኣ ከምዚ በለ፡ ወደይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ፡ ወደይ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ፡ ወድይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ።