2ይ ሳሙኤል 16

1 ዳዊት ድማ ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ቅሩብ ምስ ሐለፈ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጺባ ጊልያ መፊቦሸት ክልተ ሚእቲ እንጌራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጐጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ተቐበሎ።

2 እቲ ንጉስ ድማ ንጺባ፡ እዚ ንምንታይ ኢልካዮ ኢኻ፡ በሎ። ጺባ ከኣ፡ እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍሬታትን ድማ እዞም ገላዉ ኺበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ኸኣ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትዎ ኢለ እየ በለ።

3 እቲ ንጉስ ድማ፡ ወዲ ጐይታኻ ደአ ኣበይ ኣሎ⋮ በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ንሱስ፡ ሎሚ ቤት እስራኤል፡ መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቀሚጡ ኣሎ፡ በሎ።

4 ሽዑ ንጉስ ንጺባ፡ እንሆ፡ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ዂሉ ንኣኻ እዩ፡ በሎ። ጺባ ድማ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢድ እነስእ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ደአ ሞገስ እርከብ፡ በለ።

5 ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ባሑሪም ምስ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ዝስሙ ሰብአይ፡ ወዲ ጌራ ኻብ ዓኤት ቤት ሳኦል፡ ካብኣ ወጸ። ንሱ ወጺኡ እናኸደ ይረግም ነበረ።

6 እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ጸጋሙ ዀይኖም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኲሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ።

7 ሽምዒ እቲ ኺረግሞ ኸሎ ኸምዚ ይብሎ ነበረ፡ አታ ናይ ደም ሰብ፡ ኣታ ናይ ብልያል ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ።

8 ነቲ ኣብ ክንዳኡ ንዝነገስካ ዂሉ ደም ቤት ሳኦል እግዚኣብሄር ናባኻ መለሰልካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ኣብ ኢዱ ሀቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እንሆልካ ብኽፍኣትካ ተተሐዝካ።

9 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ኸኣ ንንጉስ፡ እዚ ምዉት ከልቢ እዚ ስለምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዚጸርፎ ዘሎ፡ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ፡ በሎ።

10 ንጉስ ግና፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ ኣሎኒ፡ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ርገም፡ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር፡ ዚብሎ መን እዩ፡ በለ።

11 ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዂሎም ገላዉኡን፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንነፍሰይ ይደልያ ኣሎ፡ ከመይ ግዳ ሕጂ እዚ ብንያማዊ ወዲ ዝገደደ ዘይገብር። እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ።

12 እግዚኣብሄር ነዚ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመጻ ርእዩስ፡ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገም ዘሎኹ ምናልባሽ ጽቡቕ እንተ መለሰለይ፡ በሎም።

13 ዳዊትን ሰቡን ብመገደ መገዲ ይኸዱ ነበሩ፡ ሽምዒ ኸኣ ኣብ መንጽሩ ብጐቦ እቲ ኸረን ኣቢሉ ኪኸይድ ከሎ እናረገሞ፡ እምኒውን እናደርበየሉ፡ ብሓመድ ከኣ እናገጨቦ ይኸይድ ነበረ።

14 ንጉስ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ድማ ደኺሞም ናብኡ መጹ፡ ኣብኡ ኸኣ እተንፈሱ።

15 ኣቤሴሎም እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ሰብ እስራኤልን ንኢየሩሳሌም ኣተዉ፡ ኣሒቶፌልውን ምስኡ ነበረ።

16 ኰነ ድማ፡ ሑሻይ በዓል ኣርኪ፡ ፈታዊ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሴሎም፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ ንጉስ ሃይው ይኹን፡ በሎ።

17 ኣቤሴሎም ከኣ ንሑሻይ፡ እቲ ንፈታዊኻ እትገብረሉ ሞተስ እዚ ድዩ፡ ስለምንታይ ደአ ምስ ፈታዊካ ዘይከድካ፡ በሎ።

18 ሑሻይ ድማ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዚ ህዝቢ እዝን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ዝሐረይዎ እየ፡ ምስኡ ኸኣ እነብር።

19 መሊሰ ደአ ንመን ከገልግል እየ፡ ኣብ ቅድሚ ወዱ ክኸውን ደይኰንኩን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ዘገልገልኩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቅድሜካ ክኸውን እየ፡ በሎ።

20 ኣቤሴሎም ድማ ንኣሒቶፌል፡ እንታይ ከም እንገብር ምኽሪ ሀቡና፡ በሎ።

21 ኣሒቶፌል ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ነተን ቤት ኪሕልዋ ዝሐደገንን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እተወን። ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ ኣቦኻ ጽዩፍ ከም ዝዀንካ ይሰምዕ፡ ሽዑ ኣእዳው እቶም ምሳኻ ዘለዉ ዂሎም ኪጸኖኣ እየን፡ በሎ።

22 ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፡ ኣቤሴሎም ከኣ፡ ብዘሎ እስራኤል እንረአየ፡ ናብተን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ አተወ።

23 በዚ ጊዜ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ሚኽሪ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ምጥያቕ ነበረ፡ ኲሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል ዘበለ ምስ ዳዊት ኰነ ምስ ኣቤሴሎም ከምኡ ነበረ።