2ይ ሳሙኤል 8

1 ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዐሮምን ኣጥቅዖምን፡ ልጓም ርእሲ ኸተማኦም ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰዶ።

2 ንሞኣባውያንውን ሰዐሮም፡ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ኸኣ ብገመድ ሰፈሮም፡ ክልተ ገመድ ንሞት፡ ገመድ ምሉእ ከኣ ንህይወት ሰፈረ። ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረከት ኣምጽኡሉ።

3 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝአቱ ኼምልስ ኢሉ ኪኸይድ ከሎ፡ ንሃዳድ-ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጸባ፡ ሰዐሮ።

4 ዳዊት ድማ ካብኡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ፈረሰኛ፡ ዕስራ ሽሕ ከኣ ኣጋራይ ሰብ ወሰደ። ዳዊት ድማ ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉስ፡ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም።

5 እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጸባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ፡

6 ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቅ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።

7 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላዉ ሃዳድ-ዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ።

8 ንጉስ ዳዊት ከኣ ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድ-ዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ።

9 ቶዒ ንጉስ ሓማት ድማ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድ-ዔዘር ከም ዝሰዐሮ ምስ ሰምዔ፡

10 ሃዳድ-ዔዘር ምስ ቶዒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡- ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን፡ ንሃዳድ-ዔዛር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለአኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑ፡ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ።

11-12 ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዝብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ-ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።

13 ዳዊት ድማ ንሶርያውያን ስዒሩ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ምስ ቀተለ፡ ስም ረኸበ።

14 ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኣብ ብዘላ ኤዶም ሐለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ንዳዊት፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ እግዚኣብሄር ዲል ሀቦ።

15 ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ።

16 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፡ ይሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሃፍ ዛንታ፡

17 ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ፡

18 በናያ ወዲ ይሆያዳ ድማ ሓለቓ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ካህናት ነበሩ።