ፊሊጲ 1

1 ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡

2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

3-4 ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ።

5 ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ፡

6 እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ።

7 ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ።

8 ብለውሃት ክርስቶስ ኢየሱስ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ።

9-11 ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

12 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ።

13 እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ።

14 ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላክ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ።

15 ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ።

16 እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡

17 እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጹኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።

18 እንታይ ደኣ እዩ ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ።

19 እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ አሎኹ።

20-21 ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።

22 እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪ፡ ኣይፈልጥን እየ።

23 በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ።

24 ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ።

25-26 ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ አሎኹ።

27-28 ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።

29-30 እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂብኩም ዘሎ።