መሳፍንቲ 1

1 ድሕሪ ሞት እያሱ ድማ ኰነ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፡ ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደይብ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

2 እግዚኣብሄር ከኣ ይሁዳ ይደይብ፡ እንሃ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ እየ፡ በለ።

3 ይሁዳ ኸኣ ንስምኦን ሓዉ፡ ምስ ከነኣናውያን ክንዋጋእሲ፡ ናብቲ ብጽሒተይ ምሳይ ደይብ፡ ኣነ ኸኣ ናብቲ ብጺሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ፡ በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ።

4 ይሁዳ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ።

5 ንኣዶኒ-ቤዜቅ ከኣ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፡ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዐርዎም።

6 ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ሀደመ፡ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ስዒቦም ሐዝዎ፡ ዓብይዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቘረጽዎ።

7 ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፡ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ፡ በለ። ናብ ኢየሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብኣ ኸኣ ሞተ።

8 ደቂ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋግእዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ከኣ ሐዝዋ። ነታ ኸተማ ድማ ሓዊ መለሱላ።

9 ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ከረንን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ።

10 ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ከደ፡ - ስም ኬብሮን ቀደም ቂርያት-ኣርባ ነበረ -። ንሽሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ወቕዕዎም።

11 ካብኡ ናብቶም ኣብ ደቢር ዚነብሩ ኸደ። - ስም ደቢር ቀደም ቂርያት-ሰፈር ነበረ -።

12 ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሰፈር ወቒዑ ዝሐዛ፡ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ።

13 ዖትንኤል፡ ወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ሓዉ ንኻሌብ፡ ሐዛ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ድማ ሀቦ።

14 ኰነ ኸኣ፡ ናብኡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን መኸረቶ። ካብ ኣድጊ ኸኣ ወረደት፡ ካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ።

15 ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ሀበኒ፡ በለቶ። ካሌብ ድማ፡ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ።

16 ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ በረኻ ይሁዳ ደየቡ። ከይዶም ከኣ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።

17 ይሁዳ ድማ ምስ ስምኦን ሓዉ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ጽፋት ዝነበሩ ኸነኣናውያን ወቕዕዎም፡ ፈጺሞም ከኣ ኣጥፍእዋ። ስም እታ ኸተማ ድማ ሖርማ ተባህለ።

18 ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን ንዶባታን ንኣሽቀሎንን ንዶባታን ንዔርቅሮንን ንዶባታን ድማ ሐዘን።

19 እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቶም ኣብ ከረን ዝነበሩ ኣልቀቖም፡ ነቶም ኣብ ለሰ ዚነብሩ ግና፡ ሰረገላታት ሓጺን ነበሮም እሞ፡ ኬልቅቖም ኣይከኣለን።

20 ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እተዛረቦ፡ ኬብሮን ሀብዎ፡ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።

21 ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን እሞ፡ እቶም ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣለዉ።

22 ቤት ዮሴፍ፡ ንሳቶምውን ናብ ቤት-ኤል ደየቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳታቶም ነበረ።

23 ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ሰለይዋ። - ስም እታ ኸተማ ኸኣ ቀደም ሉዝ ነበረ -።

24 እቶም ሰለይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ርእዮም፡ በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ምሕረት ክንገብረልካ ኢና፡ በልዎ።

25 መእተዊ እታ ኸተማ ኸኣ ኣርኣዮም፡ ነታ ኸተማ ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ይኺዱ ሐደግዎም።

26 እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ ኸተማ ሰርሔ፡ ስማ ኸኣ ሉዝ ሰመያ፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ስማ ንሱ እዩ።

27 ምናሴ ድማ ንቤት-ሸኣንን ንዓድታታን፡ ንተዓናቅን ንዓድታታን፡ ነቶም ኣብ ዶርን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ይብልዓምን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ምጊዶንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ድማ ኣይወረሶምን። እቶም ከነኣናውያን ደኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኺነብሩ ቘረጹ፡

28 ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ምስ በርትዔ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበሮም እምበር፡ ምልቃቕሲ ኣየልቀቖምን።

29 ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየልቀቖምን፡ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ማእከሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።

30 ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዚነብሩን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ስለዚ እቶም ከነኣናውያን ኣብ ማእከሎም ተቐመጡ፡ ገባሩ ድማ ዀኑ።

31 ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሔልባን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ሬሖብን ዚነብሩ ኣየልቀቖምን።

32 ስለ ዘየልቀቖም ከኣ፡ ኣሴራውያን ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ተቐመጡ።

33 ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤት-ሸመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤት-ዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደኣ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሸመሽን ኣብ ቤት ዓናትን ዚነብሩ ግና ገባሮም ኰኑ።

34 እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ከረን ደፍእዎም እምበር፡ ናብ ለሰ ኺወርዱ ኣይሐደግዎምን።

35 ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሃርሔረስን ኣብ ኣያሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ኪቕመጡ ቘረጹ። ግናኸ ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፡ ገባሩ ድማ ዀኑ፡

36 ዶብ ኣሞራውያን ከኣ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም ካብ ሴላዕ ንላዕሊ ነበረ።