መሳፍንቲ 18

1 በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን፡ እቶም ነገድ ዳን ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይበጽሖምን ነበረ እሞ፡ በቲ ዘበን እቲ ዚነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።

2 ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፡ ምድሪ ኺስልዩን ኪምርምሩን፡ ካብ ዓሌቶም፡ ካብ ብዘሎ ፍቕዶም፡ ሓሙሽተ ሰብኣይ፡ ሓያላት ሰባት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ሰዲዶም ድማ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ መርምርዋ፡ በልዎም። ንሳቶም ከኣ ናብ ከረን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ፡ ኣብኣውን ሐደሩ።

3 ንሳቶም ኣብ ቤት ሚካ ኸለዉ፡ ድምጺ እቲ መንእሰይ ሌዋዊ ኣለለይዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፡ መን ናብዚ ኣምጽኣካ፧ ኣብዚኸ ንስኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ኣብዚስ እንታይ ኣሎኳ፧ በልዎ።

4 ንሱ ድማ፡ ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገበረለይ፡ ንሱ ኣሕዲሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ካህን ኰንክዎ፡ በሎም።

5 ንሳቶም ድማ፡ እዛ ንሕና እንኸዳ ዘሎና መገዲ እትቐንዓና እንተ ዀይና ኽንፈልጥሲ፡ በጃኻ ንኣምላኽ ጠይቐልና፡ በልዎ።

6 እቲ ኻህን ድማ፡ እዛ እትኸድዋ ዘሎኹም መገዲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያ እሞ፡ ብሰላም ኪዱ፡ በሎም።

7 እቶም ሓሙሽተ ሰብኣይ ከዱ ኣብ ላይሽ ድማ ኣተዉ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ተአሚኑ ኸም ስርዓት ሲዶናውያን ብህድኣትን ብእምነትን ከም ዚቕመጥ ረአየ። ኣብታ ሃገር ከኣ ገለ ኽፉእ ዚገብሮም በዓል ስልጣን ኣይነበረን፡ ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሑቓት ነበሩ፡ ምስ ገለ ሰብ እኳ ነገር ኣይነበሮን።

8 ናብ ጾርዓን ኤሽታዖልን ከኣ፡ ናብ ኣሕዋቶም መጹ፡ እቶም ኣሕዋቶም ድማ፡ እንታይ ተውርዩልና፧ በልዎም።

9-10 ንሳቶም ከኣ፡ ነታ ሃገር ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ፡ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ፡ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፧ ነታ ሃገር ክትአትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጕዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም፡ ናብ ተአሚኑ ዚነብር ህዝቢ ኽትአትዉ ኢኹም። እታ ሃገር ከኣ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ነገር ዘይጐድላ ቦታ እያ፡ በልዎም።

11 ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ውግእ ተዐጢቖም ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ነቐሉ።

12 ደዪቦም ከኣ ኣብ ቅርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትበሀል ኣላ። እንሃ፡ ኣብ ድሕሪ ቅርያት-የዓሪም ኣላ።

13 ካብኣ ንኸረን ኤፍሬም ሐሊፎም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ።

14 ሽዑ እቶም ንሃገር ላይሽ ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ነቶም ኣሕዋቶም፡ ኤፎድን ተራፊምን እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ኣባይቲ እዚኤን ከም ዘሎስ፡ ትፈልጡዶ ኣሎኹም፧ ሕጂ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ፡ ኢሎም መለሱሎም።

15 ናብ ቤት እቲ ኣብ ቤት ሚካ ዚነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ።

16 እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።

17 እቶም ነታ ሃገር ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ኻህን ምስቶም ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ደዪቦም ናብኡ ኣትዮም፡ ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰዱ።

18 እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ አትዮም ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፡ እቲ ኻህን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በሎም።

19 ንሳቶም ከኣ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ካህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድን ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሔሸካ፧ በልዎ።

20 ሽዑ ልቢ እቲ ኻህን ተሐጐሰ እሞ፡ ነቲ ኤፌድን ንተራፊምን ነቲ እተጸርበ ምስልን ወሲዱ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኣተወ።

21 ተመሊሶም ድማ ቈልዑን ማልን እቲ ኽቡር ነገርን ቀቅድሚኦም ገይሮም ከዱ።

22 ንሳቶም ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሐቑ ከኣ፡ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብአውያት ተአኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም።

23 ንደቂ ዳን ድማ ጸውዕዎም። ንሳቶም ከኣ ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ ብኣውያት እትእከብ እንታይ ኴንካ ኢኻ፧ በልዎ።

24 ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩም፡ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣሎኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ እትብሉኒ፧ ደጊምከ እንታይ ተሪፉኒ እዩ፧ በሎም።

25 እቶም ደቂ ዳን ከኣ፡ ነፍሶም እተመረረት ሰባት ከይገጥሙልኩም እሞ፡ ንነፍስኻን ንነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእሲ፡ ቃልካ ኣባና ኣይሰማዕ፡ በልዎ።

26 እቶም ደቂ ዳን ድማ መገዶም ከዱ። ሚካ ኸኣ ካብኡ ከም ዚሕይሉ ምስ ረአየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ መጸ።

27 ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮን ነቲ ዝነበሮ ኻህንን ሒዞም፡ ናብቲ ሀዲኡን ተአሚኑን ዝነበረ ህዝቢ፡ ናብ ላይሽ መጹ። ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም፡ ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዋ።

28 ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበሮምን እሞ፡ ዜድሕኖም ኣይነበረን። ንሳ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቤት-ሬሖብ ዘሎ ለሰ እያ ዘላ። ነታ ኸተማ ድማ ሰሪሖም ተቐመጥዋ።

29 ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ላይሽ ይበሀል ነበረ።

30 እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቘምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር እትማረኸላ መዓልቲ፡ ዮናታን፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኰኑ።

31 እታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ሲሎ ኽሳዕ ዘላ ዅሉ ዘበን፡ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ንኣታቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።