መሳፍንቲ 17

1 ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።

2 ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ፡ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ፡ በለቶ።

3 ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። ኣዲኡ ድማ፡ እዚ ብሩርዚ ንወደይ፡ እትጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ኸኣ ክመልሰልካ እየ፡ በለቶ።

4 ንሱ ኸኣ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸኣ ንእኡ እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።

5 እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ፡ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ ኤፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸኣ ካህኑ ኪኸውን ቀደሶ።

6 በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ገበረ።

7 ኣብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ።

8 እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ፡ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸደ። መገዱ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።

9 ሚካ ኸኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሌዋዊ እየ፡ ኣነ ኣብ ዝረኸብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ ኣሎኹ፡ በሎ።

10 ሚካ ኸኣ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ።

11 እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ።

12 ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ካህኑ ዀነ። ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።

13 ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን ኣሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝገበረለይ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።