መሳፍንቲ 7

1 የሩብ-በዓል፡ ንሱ ጊዴዎን፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከኣ ሰፈሩ። ሰፈር ሚድያን ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኵርባ ሞሬ፡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።

2 እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይህቦም፡ እስራኤል፡ ኢደይ ኣድሐነትኒ፡ ኢሉ ኸይዕበየለይ፡ እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ።

3 እምበኣር ሕጂ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ፡ ፈራህን ተሸባርን ዘበለ ይመለስ፡ ካብ ከረን ጊልዓድ ይኺድ፡ ኢልካ ኣውጅ፡ በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመልሱ፡ ዓሰርተ ሽሕ ከኣ ተረፉ።

4 እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝብለካ ዘበለ ኸኣ፡ ንሱ ኣይኺድ፡ በሎ።

5 ሽዑ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ማይ ብልሳኑ ዚሰቲ ዘበለ፡ ንእኡ ንበይኑ፡ ነቲ ብብርኩ ተደቢሩ ዚሰቲውን ከምኡ ግበሮ፡ በሎ።

6 ቊጽሪ እቶም ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰተዩ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ኰኑ። እቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ ግና ማይ ኪስትዩ፡ ብብርኮም ተምበርኪኾም ደነኑ።

7 እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ በዞም ብኢዶም ዝሰትዩ ስለስተ ሚእቲ ሰብኣይ ከድሕነኩእየ፡ ሚድያናውያን ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ። እቲ ህዝቢ ዅሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቦታኡ ይኺድ፡ በሎ።

8 ሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።

9 ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ።

10 ንስኻ ምውራድ እንተ ፈራህካ ግና፡ ንስኻ ምስ ግልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ፡

11 እቲ ዚዛረብዎ ኽትሰም ኢኻ። ድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኣእዳውካ ኺጸንዓ እየን፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ምስ ጱራ ግልያኡ፡ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ።

12 ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕ ድማ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖምን ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከኣ ቊጽሪ ዜብለን፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሔን ነበራ።

13 ጊዴዎን ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ይብሎውን ነበረ፡ እነሆ፡ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጐጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ፡ ናብ ድንኳን መጺኡ ወቕዖ፡ ንሱ ድማ ወደቐ፡ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ድማ ወደቐ።

14 እቲ ብጻዩ ድማ መሊሱ፡ እዚ ሴፍ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ ናይ እስራኤል ሰብ እዩ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ንሚድያንን ንዅሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ በለ።

15 ኰነ ኸኣ፡ ጊዴዎን ነገር እዚ ሕልሚ እዝን ምፍታሑን ምስ ሰምዔ፡ ሰገደ። ድሕርዚ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ እግዚኣብሄር ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ በለ።

16 ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኵሎም ከኣ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ሀቦም።

17 በሎም ድማ፡ ንኣይ ርአዩ፡ ከምኡ ኸኣ ግበሩ። እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ።

18 ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኰይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ዅሉ እቲ ሰፈር ንፍሑ፡ ንእግዚኣብሄርን ንጊዴዎንን ድማ በሉ።

19 ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኡብኡ ዘብዔኛታት ምስ ተለወጡ፡ ጊዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰብኣይን፡ ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዳነሱውን ሰበርዎ።

20 ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዳነሱ ኸኣ ሰበርዎ፡ ብጸጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ብየማነይቲ ኢዶም ከኣ፡ ኪነፍሑ፡ መለኸት ሐዙ፡ ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን፡ ኢሎም ድማ ጨደሩ።

21 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቈሙ። ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጐየየ፡ ጨርሑን ሀደሙን ከኣ።

22 ነቲ ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ድማ ነፍሑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩን ናብ ብዘሎ እቲ ሰራዊትን ገበሮ። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤት-ሺጣ፡ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል-መሖላ ዘላ ጣባት ሀደመ።

23 ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተአከቡ እሞ ንሚድያናውያን ስዒቦም ሰጐጕዎም።

24 ጊዴዎን ድማ፡ ንሚድያን ክትቃባበልዎም ውረዱ፡ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ድማ ሐዙሎም፡ ኢሉ ናብ ብዘሎ ኸረን ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተአኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሐዝዎ።

25 ንኽልቲኦም ሹማምቲ ሚድያን፡ ዖሬብን ዝኤብን፡ ማረኽዎም እሞ፡ ንዖሬብ ኣብ ከውሒ ዖሬብ ቀተልዎ፡ ንዝኤብውን ኣብ መጽመቚ ወይኒ ዝኤብ ቀተልዎ፡ ንሚድያናውያን ከኣ ሰጐጕዎም። ርእሲ ዖሬብን ዝኤብን ግና ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ጊዴዎን ኣምጽእዎ።