መሳፍንቲ 16

1 ሲምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ አተወ።

2 ንሰብ ጋዛ፡ ሲምሶን ናብዚ አትዩ፡ በልዎም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ድብቕ አንበሩሉ። እንሆ፡ ምስ በርሄ ኽንቀትሎ ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ።

3 ሲምሶን ከኣ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኡ ነቲ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ሒዙ መንቈሶ፡ ኣብ መንኵቡ ገይሩ ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ።

4 ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ።

5 እቶም ሹምማቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ደዪቦም፡ ኣሲርና ኽንመልኮስ ከመይ ጌርና ኸም እንኽእሎ፡ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዪ ሐባብልዮ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ክንህበኪ ኢና፡ በልዋ።

6 ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፡ ክትምለኽሲ ኸመይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ።

7 ሲምሶን ድማ፡ ብሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ።

8 ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን ኣምጽኡሉ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ።

9 ኣብ ሕልፍኝኣ ድቡቓት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ፡ ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ሽዑ ነቲ ምውራንቲ፡ ሓዊ ዘጨነዎ ፈትሊ ኸም ዚምናህ፡ ምንህንህ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈልጠን፡

10 ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ እንሆ፡ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ድማ ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ።

11 ንሱ ድማ፡ ገለ ዕዮ ብዘይ ተዐየሉ ሓድሽ ገመድ ኣጽኒዖም እንተ ኣሰሩኒ፡ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ።

12 ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሲምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። እቶም ድቡቓት ከኣ ኣብቲ ሕልፍኚ ነበሩ። ካብ ቀላጽሙ ድማ ከም ፈትሊ በተኾ።

13 ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛረብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደኣ ንገረኒ፡ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፡ በላ።

14 ኣብ ሽኻል ኣሲራቶ ድማ፡ ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሽኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቈሶ።

15 ንሳ ኸኣ፡ ልብኻ ዘይምሳይ ክነሱ ደአ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ እፈትወኪ እየ፡ እትብለኒ ዘሎኻ፧ ሰለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን፡ በለቶ።

16 ኰነ ኸኣ፡ ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።

17 ኵሉ ልቡ ኸኣ ገለጸላ፡ ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናዝራዊ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ርእሰይ መላጸ ኣይሐለፈን፡ ስለዚ እንተ ተላጼኹ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም ድማ፡ ከም ኵሉ ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ።

18 ደሊላ ድማ ኵሉ ልቡ ኸም ዝገለጸላ፡ ምስ ረአረየት፡ ነቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ ጸውዓቶም፡ ኵሉ ልቡ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ።

19 ንሳ ኸኣ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸኣ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ።

20 ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝሐደጎ ኣይፈለጠን እሞ፡ ከም ቀዳማይ ግዝያት፡ ፍንሕንሕ ኢለ ኽወጽእ እየ፡ ኢሉ ሐሰበ።

21 እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ።

22 እቲ ጸጒሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቊል ጀመረ።

23 እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡን ኪሕጐሱን ተአከቡ፡

24 እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርና ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ።

25 ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ ንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ።

26 ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ።

27 እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሐቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ።

28 ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።

29 ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞ።

30 ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ። ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።

31 ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞሞ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ንእስራኣኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ።